ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ 149 ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ሮም ምስጋሩ ገሊጹ


ኣብ ዋና ከተማ ትሪፖሊ ናዕቢ፣ጎነፅን ምንቁልቋል ኩነታት ፀጥታን እናዓበየ ይኸይድ ኣብዘለወሉ ሕጂ እዋን 149 ስደተኛታትን ሓተቲ ዕቑባን ብሓገዝ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ሎሚ ሓሙስ ናብ ሮም ከምዝተወስዱ ተገሊጹ።

እቶም ናብ ሮም ዝተወስዱ ስደተኛታት ኤርትራዊያን፣ሶማሊያዊያን፣ሱዳናዊያንን ኢትዮጵያዊያንን እዮም።ካብ መንጉኦም 65 ህጻናት ክኾኑ ከለው እቶም 13 ትሕቲ ሓደ ዓመት ቆልዑት እዮም።

ዝበዝሑ ካብቶም ካብ ሊብያ ዝተወሰዱ ስደተኛታት ሓገዝ ሕክምና ከምዘድልዮምን ብዋሕዲ ኣመጋግባ ይሳቐዩ ከምዝነበሩን ተፈሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG