ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ 149 ስደተኛታት ናብ ኢጣልያ ምግዓዙ ስዒቡ ኣብ ሊብያ ተሪፎም ዘለው ስደተኛታት እንታይ ይብሉ?


ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት 149 ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ምግዓዙ ገሊጹ።

እቲ ትካል እቶም ስደተኛታት ብሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ካብ ማእከላይ ባሕሪ ድሒኖም ኣብ ዝተፈላለዩ መዳጎኒ ስደተኛታት ዝጸንሑ ምዃኖም ይሕብር።

እቶም ስደተኛታት ካብ ኤርትራ፡ሶማል፡ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝመጹ ኽኮኑ ከለው 65 ካብኦም ህጻናት ምዃኖምን 13 ድማ ትሕቲ ሓደ ዓመት ዕድመ ዘለዎም ቆልዑ ምዃኖም ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ጨንፈር ሊብያ ሓቢሩ’ሎ።

ብዛዕባ እዞም ስደተኛታትን ህልው ኩነታት እቶም ኣብ መዳጎኒ ማእከል ዘለው ስደተኛታት ዝምልከት ንክልተ ስደተኛታት ኣዘራሪብና ኣለና።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG