ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ 146 ሓተቲ ዑቕባ ካብ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ምግዓዙ ገሊጹ


ሕ/ሃ 146 ሓተቲ ዑቕባ ካብ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ምግዓዙ ገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:39 0:00

ሕ/ሃ 146 ሓተቲ ዑቕባ ካብ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ምግዓዙ ገሊጹ

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ሶኑይ 146 ሓተቲ ዑቕባ ካብ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ምግዓዙ ሓቢሩ።

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት እዚ ናይ ሶኑይ ምግዓዝ ስደተኛታት ካብ 2017 ንደሓር ዝተኻየደ ሓሙሻይ ምግዓዝ ምዃኑ ብምግላጽ ኣቐዲሙ ስደተኛታት ናብ ኒጀርን ካልኦት ሃገራት ምግዓዙ ይዝከር።

ወሃቢ ቃል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፈደሪኮ ፎሲ እቲ ምግዓዝ “ህጹጽ”ን “ አንጻር ጊዜ ዝካየድ ውድድር” ዩ ክብሉ ገሊጾምም ኣለው።

ንሶም ብተወሳኺ ኣብዚ ጊዜ’ዚ ኣስታት 3,300 ስደተኛታት ኣብ መዳጎኒ ማእከል ሊብያ ተቐርቒሮም ከምዝርከቡ ሓቢሮም ኣለው።

ካብቶም ትማሊ ሶኑይ ኣብ ከተማ ሮማ ዝኣተው ስደተኛታት 68 ትሕቲ ዕድመ ኽኮኑ ከለው ካብኦም 46 ድማ አላይ ዘይብሎም ህጻናት'ዮም። 60 ድማ ደቂ ኣንስትዮ እዮም።

መብዛሕትኦም እቶም ስደተኛታት ካብ ኤርትራ፡ሶማል፡ሱዳን፡ሶርያን ኢትዮጵያን ዝመጹ ምዃኖም’ውን ተገሊጹ’ሎ።

XS
SM
MD
LG