ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ 51.5 ቢልዮን ዶላር ከምዘድልይ ገሊጹ


ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግሪፍዝ- ፋይል
ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግሪፍዝ- ፋይል

ሕቡራት ሃገራትን ትካላት ረድኤትን ኣብ ዝመጽእ ዓመት ሰብኣዊ ረድኤት ዘድልዮም ብዓሰርተታት ሚልዮን ዝቑጸሩ ሰባት ክህልው ከምዝኽእሉ ብምግላጽ ዘድልዮም ሓገዝ ንምብጻሕ 51.5 ቢልዮን ዶላር ክውህለል ሓቲቶም።

ዓለምለኸ ትካል ሰብኣዊ ሓገዛት ሕቡራት ሃገራት ብመሰረት ዝዘርገሖ ኣሃዛዊ ሓበሬታ፣ ኣስታት 65 ሚልዮን ህዝቢ ተጸባዪ ሓገዝ ከምዝኾነን፣ ብሓፈሽኡ ኣብ 68 ሃገራት ኣስታት 339 ሚልዮን ህዝቢ ኢድ ናይ ለገስቲ ዘቛምቱ ከምዝኾኑ ይገልጹ።

ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግሪፍዝ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዓለምና ዝመጽእ ዓመት ዝፍጸም እቲ ዝዓበየ ሰብኣዊ ፕሮግራም ክኸውን’ዩ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG