ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ ግጭት ንኣስታት 2 ሚልዮን ቆልዑ ናይ ትምህርቲን መጻኢ ዕድሎምን ይምንጥሎም ኣሎ ኢሉ


ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ህፃናት (UNICEF)ኣብ ሸሞንተ ሃገራት ምዕራብን ማእኸላይን ኣፍሪቃ ግጭትንኣስታት 2 ሚሊዮን ቆልዑ ትምህርትን መፃኢ ዕድሎምን ይምንጥሎም ኣሎ ኢሉ።

ዝተጎድአ ቁጠባ እዘን ሃገራትንምህናፅ ዘድልየን ዝተምሃረ ሓይሊ ሰብ ኣብ ምፍራይ ኣሉታዊ ሳዕቤን ኣለዎ ክብል ኣብ ሓድሽ ፀብፃቡ ኣጠንቂቑ።

ናይ UNICEF መፅናዕቲኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ምዕራብን ማእኸላይን ምብራቕ ኮነ ተባሂሉ ዒላማታት ዕጡቓት ጉጅለ ይኾኑ ኣለው ይብል ።

ካብ 2017 ጀሚሩ ብዝተፈፀመ መጥቓዕትን ህውከትን ኣብቲ ከባቢ ልዕሊ9,000 ኣብያተ ትምህርቲ ክዕፀዋ ገይሩ’ሎ።

ካብ ማሊ ዝተመለሰት ናይ ዩኒሴፍ ናይ ክብሪ ኣምባሳደር GoodwillAmbassador ሙዙን ኣልመልሓን ዝረኸበቶም ቆልዑ ኣብ ስቓይ ይነብሩ ኣለው ኢላ።

“ብዙሓት ኣብያተ ትምህርቲ መጥቓዕቲ ይወርደን ኣሎ።ብዙሓት ተምሃሮ ካብ ትምህርቲ ብምውፅኦም መፃኢ ዕጫ ናይዘን ሃገራት ይጉዳእ ኣሎ።

ሎሚ ሓደ ነገር እንተድኣ ዘይገይርና ተምሃሮ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰሎም ዝኾነ ትምህርቲ ኣይረኽቡ።”

ንርእሳ ሶሪያዊት ስደተኛ ዝኾነት ኣልመልሓን ብሰንኪ ኲናት ኣብ 2013 ካብ ሃገራ ሃዲማ ብዙሕ ዓመታት ኣብመዕቖቢ ስደተኛታት ኣሕሊፋቶ።ኣብ መዕቖቢ ስደተኛታት ትምህርታ ከምዝተኸታተለን ካልኦት እውን ተመሳሳሊ ዕድልክረኽቡን ትደሊ።

ዘይምሃሩ ቆልዑ ንመግሃስትን ምዝመዛን ዝተቓልዑ እዮም ትብል።ግዳያት ጾታዊ መጥቓዕቲ ኣሽበርቲጉጅለታት፤ወታደራት ይኾኑ፤መፃኢ ህወይቶም እውን ይጠፍእ ትብል።

ዩኒሴፍ ኣብዘን ሃገራት ንትምህርቲ፣ናይ ስነኣኣምሮን ካልኦት ኣገደስቲ ፕሮግራማትን ዝውዕል 221 ሚሊዮን ዶላርሓገዝ ሓቲቱ’ሎ።ዛጊድ ትሕቲ 30 ሚእታዊ ገንዘብ ረኺቡ’ሎ።ለገስቲ ንትምህርትን መፃኢ ዕድልን ሚሊዮናትኣፍሪካዊያውን ምላሽ ክህቡ እቲ ትካል ፀዊዑ’ሎ።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG