ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ ድሕሪ ዕርቀ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኣይተመሓየሽን ይብል


ፋይል
ፋይል

መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ንልዕሊ 20 ዓመታት ዝጸንሓ ግጭት ዶብ ክበቅዕ ዝገበረ ስምምዕ ሰላም ምስ ኢትዮጵያ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዝፍርም ንነጀው ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት’ታ ሃገር ኣይተመሓየሸን ክብሉ ሰብሞያ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጦም።

ኮሚተ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ ልዕሊ እዋናዊ ኩነታት ኤርትራ ምምይጥ ምክያዱ ይዝከር።

ምስ ኢትዮጵያ ዝነበረ ናይ 20 ዓመታት ወታሃደራዊ ምፍጣጥ ስምምዕ ሰላም ምስ ተገብረ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ ምሰላት ኤርትራ ክመሓየሽ ዝብል ተስፋ ዝለዓል’ዩ ኔሩ።

ይኹን ደአ እምበር እዚ ተስፋ’ዚ ክውን ኣይኮነን ክብሉ ምክትል ኮሚሽነር ጉባኤ ሰ ኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኬይት ጊልሞር ሓቢሮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG