ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ ዳግማይ ዝተወልዓ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ናብ ክልል ትግራይ ዝኣትው ሓገዝ ምኽልኻሉ ገሊጹ


ፋይል
ፋይል

ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ከም ብሓዱሽ ዝጀመረ ግጭት ዘድሊ ረድኤት ናብ ክልል ትግራይ ከይኣትው ከምዘገደደ ገሊፁ።እቲ ትካል እዚ ኣብ መንጎ ሓይልታት ደገፍቲ መንግስትን ሓይልታት ትግራይን ዳርጋ ክልተ ዓመት ዘቑጸረ ኵናት ዝተፈጠረ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘጋድድ እዩ ኢሉ ኣሎ።

ውግእ ምቕፃሉ ናብ ዋና ከተማ መቐለ ረድኤት ዝፀዓና መካይን ክኣትዋ ዘኽኣለ ኣብ ሚያዝያ ዝተበፅሐ ስምምዕ ዘበርዓነ እዩ።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ወኪል ሰብኣዊ ረድኤት(ኦቻ) እቲ ህውከት ንፀገም ዝተቓልዑ ሰባት ህይወት ኣድሕን ሰብኣዊ ሓገዝ ናይ ምቕራብ ስራሕ ዝሃሰየ እዩ ኢሉ።

እቲ ኵናት ዳግም ቅድሚ ምጅማሩ ናብ ክልል ትግራይ ንመወዳእታ ግዜ 24 ነሓሰ 2022 ዝኣተዋ ሰብኣዊ ቀረብን ናውትን ዝፀዓና 158 ናይ ፅዕነት መካይን ምዃነን ኦቻ ሓቢሩ።

ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ ይካየድ ዝነበረ ናይ ሕቡራት ሃገራት ናይ በረራ ኣገልግሎት ሰብኣዊ ረድኤት እውን ካብ 26 ነሓሰ 2022 ጀሚሩ ተቋሪፁ ኣሎ።

እቲ ኵናት መን ጀመረ ዝብል ክልቲኦም ወገናት ነንሕድሕዶም ይካሰሱ።

XS
SM
MD
LG