ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ ዩክሬን ኣብ ሃገራ ንዘሎ መደበር ኑክሌር ውሕስነት ክትገብረሉ ጸዊዑ


ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት: ፕረዚደንት ቱርኪን ፕረዚደንት ዩክሬን ኣብ ሊቭ ትማሊ ሓሙስ ዝተራኸብሉ እዋን ዝተወስደ
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት: ፕረዚደንት ቱርኪን ፕረዚደንት ዩክሬን ኣብ ሊቭ ትማሊ ሓሙስ ዝተራኸብሉ እዋን ዝተወስደ

ሕቡራት ሃገራት ፕረዚደንት ዩክሬን ዘለነስኪ ነቲ ኣብ ሃገሩ ዘሎ መደበር ሓይሊ ኑክሌር ውሕስነት ክገብረሉ ጸዊዑ።

ኣህጉራዊ ትካል ኣቶሚክ ኢነርጂ ናብቲ ሓይሊ ኑክሌር ክበጽሕ ዕንቅፋት ክፍጠረሉ የብሉን ዝበለ ፕረዚደንት ቮሎድምር ዘለንስኪ፡ ሩስያ ብዘይቅድመ ኩነት ክተፍቅደሉ ኣለዋ ኢሉ።

ፕረዚደንት ቮሎድምር ዘለንስኪ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ትካል ኣቶሚክ ኤነርጂ ከምኡ ክገብር ዘይክእል እንተኾይኑ ግን ነቲ ሰነድ ኑክሌራዊ ጨረርን ድሕነትን ናብ ጎሓፍ ከምዘእትውዎ፡ ምኽንያቱ ድማ ሩስያ ድሮ ነቲ ኣህጉራዊ ሕጊ ትጥሕሶ ብምህላዋ ክብል ገሊጹ።

ኣቐድም ኣቢሉ ዘለስንኪ ኣብ ምዕራባዊት ከተማ ልቪቭ ምስ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንተኒ ጉተረዝን ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጠይብ ኤርዶዋንን ተራኺቡ ኔሩ።

ጉተረዝ እቲ መደበር ሓይሊ ኑክሌር ካብ ወተሃደራዊ ህላወ ናጻ ክኸውን ጸዊዑ`ሎ። ዘለስንኪ ብወገኑ እቲ ምስ መራሒ ቱርኪ ዝገበሮ ርክብ ዕዉት ምንባሩ ጠቒሱ`ሎ።

ሩስያ ብወገና፡ ሓይልታት ዩክሬን ነቲ መደበር ኑክሌር ክሃርምዎ መዲቦም ኔሮም`ዮም ክትብል ንዩክሬን ትወቅስ። ክልቲአን ሃገራት ነቲ መደበር ዒላማ ጌረን ዝብል ክሲ ይነጽግኦ።

XS
SM
MD
LG