ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ ዝከፍአ መዳጎኒ ማእከል ምዃኑ ዝገለጸ ማእከል ዛውያ፡ሊብያ እንታይ ይብሉ?


ወሃቢ ቃል ኮሚሽን ሰብኣዊ ጉዳያት ሩፐርት ኮልቪል አባላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊብያ ዝርከብ ዚታን መዳጎኒ ማእከል ከምዝበጽሑን ኩነታት እቶም ስደተኛታት ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ ከምዝርከብ ኣብ መጀመርያ ወርሒ ሰነ ካብ ጀነቫ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ምሕባሩ ይዝከር።

ነዚ ስዒቡ ኣብቲ መዳጎኒ ማእከል ዝርከቡ ስደተኛታት ካብ ዝተፈላለዩ አካላት ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ኮነ ጋዜጠኛታት በጺሖም ምስ ዝኸዱ’ዩ ኩነታትና ዝያዳ ዘንቆልቁል ይብሉ።

ዛውያ መዳጎኒ ማእከል ሊብያ
ዛውያ መዳጎኒ ማእከል ሊብያ

ኣብዚ ዝኸፍአ መዳጎኒ ማእከል ምዃኑ ብተደጋጋሚ ዝግለጽ ዚታን መዳጎኒ ማእከል ንዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ዝጸንሓ ኤርትራዊ ኣብርሃንም ኣስመሮም ብዛዕባ ኩነታት’ቲ ማእከል ከምዚ ክብል ይግለጽ።

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዚታን መዳጎኒ ማእከል ዝርከቡ ስደተኛታት ምምዝጋብ ምጅማሩ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ናይ ትዊተር ገጹ ዘውጽኦ መግለጺ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

XS
SM
MD
LG