ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሕ/ሃ ዝተመዘዘ መርማሪ ኮሚሽን ኣብ ኢትዮጵያ ይበጽሕ


ኣብ ክልል ትግራይ ንዝተፈጸመ ግፍዒ ዝምርምር ሕቡራት ሃገራት ዘቆሞ ኮምሽን፣ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ መገሻ ፈጺሙ።

ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ ነቲ ኮምሽን ዝሓለፈ ዓመት ታሕሳስ ከምዘቆሞን፣ ዕላምኡ ተፈጺሞም ንዝተባህሉ ዓለምለኸ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዓለምለኸ ሕጊን ምጽራይን ከምዝኾነ ዝፍለጥ እዩ።

ትማሊ ሰኑይ መግለጺ ዘውጸአ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና እቲ ኮምሽን ስርሑ ከመይ ከምዝፍጽምን ንመርገጺ መንግስቲ ዘኽብር እንተኾይኑን ተመልኪትና፣ ውሳነና ዳግም ክንግምግም ኢና ከምዝበለ ትካል ዜና ፈረንሳ ገሊጹ።

ኢትዮጵያ፣ ኣባላት እታ ኮምሽን ናብ ግዝኣታ ቅድሚ ምእታዎም ኣብ ዝነበረ ጊዜ፣ "ጎዳኢ እዩ" ብምባል ንምስረታ እቲ ኮምሽን ኣይቅበልን ኢላ ከምዝነበረት ዝዝከር እዩ።

ኣባላት እታ ኮምሽን ትማሊ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢን ምክትል ቀ/ሚ ደመቀ መኮንን ከምዝተራኸበት ትካል ዜና ፋና ገሊጻ ነይራ።

እታ ጉጅለ መርማሪ ኮምሽን፣ ንዝቅጽሉ ኣርባዕተ መዓልታት ኣብ ኢትዮጵያ ክትጸንሕን ኣብ ዛዛሚ መገሻኣ መግለጺ ክትህብን እያ።

ሰበ ስልጣን ክልል ትግራይ ብወገኖም ምስ’ታ ኮምሽን ከምዝተሓባበሩ ብምግላጽ፣ "እንተኾነ፣ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንናይ’ታ ኮምሽን መስርሕ ምጽራይ ንክቆጻጸር ከምኡ'ውን ተቀባልነታ ድማ ከጉድል ይፍትን ኣሎ" ኢሎም።

XS
SM
MD
LG