ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ ዕጡቓት ሑቲ ህጻናት አባላት ከየሳትፉ ምስምማዖም ገሊጹ


አባል ዕጡቓት ሑቲ ዝነበረ ወዲ 12 ዓመት- ፋይል
አባል ዕጡቓት ሑቲ ዝነበረ ወዲ 12 ዓመት- ፋይል

ደባይ ተዋጋእቲ ሑቲ ኣብ ሰራዊቶም ንዝጸንሑ ትሕቲ ዕድመ መናእሰይ ከፋንውዎም ከምዝተሰማምዑ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ።

ብመሰረት መግለጺ ሕ/ሃ ደባይ ተዋጋእቲ ሑቲ ፣ ዝፈረምሉ ሓይሊ ዕማም፣ ቆልዑ ንከይኸትቡ፣ ኣብ ውግእ ንከየዋፍሩ፣ ቅትለት ቆልዑ፣ ንኣብያተ ትምህርቲን ሆስፒታላትን ዒላማ ንከይገብሩ ዝብል ከምዝኾኑ ዝገለጹ ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ስቲቨን ዮርክ እቶም ደባይ ተዋጋእቲ፣ ንዝርዝር ዝኸተብዎም ቆልዑ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣፍሊጦም ንከሰናብትዎም ኣብ ስምምዕነት ከምዝተበጽሐ ሓቢሮም ኣለው ።

ኣብ’ቲ ሸውዓተ ዓመታት ኣቁጺሩ ዘሎ ግጭት የመን ቆልዑ ኣብ ውግእ ይኣትው ነይሮም'ዮም: ሕጋዊ መንግስቲ የመን፣ ንተመሳሳሊ ሰነድ ቅድሚ ሸሞንተ ዓመታት ምኽታሙ ሕ/ሃ ገሊጹ።

XS
SM
MD
LG