ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ: ኮሚሽን ጉዳያት ሰ/መሰላት ኢትዮጵያ ንሓደ ዓመት ክናዋሕ ወሲኑ


ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ንገደብ ዕድመ ሰብኣዊ ጥሕሰታት ኢትዮጵያ እተጽንዕ ኣሃዱ ብሓደ ዓመት ምንዋሑ፣ ንኽልል ትግራይ ዘመሓድር ዘሎ ገዛኢ ሰልፊ ህወሓት ብሓጎስ ክቕበሎ እንከሎ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ነጺጉዎ።

ክልል ትግራይ ሎሚ ረቡዕ 12 ጥቅምቲ ብመገዲ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ኣቢሉ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንምንዋሕ እታ መርማሪት ኮሚሽን ብሓጐስ ከም ዝተቐበሎ ኣፍሊጡ፣ ንስራሓት እኹል መሳለጢ ክግበረላ ጸዊዑ።

ወኪል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ጀነቫ ቅድሚ’ቲ ድምጺ ምሃቡ ብትዊተር ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ፡ መንግስቲ ንምንዋሕ እቲ መርማሪ ኮሚሽን ከም ዝቃወም ብምሕባር ኣባላት ሃገራት ኣንጻሩ ከድምጻ ተማሕጺኑ።

ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ብዓርቢ ኣብ ዘካየዶ ምሃብ ድምጺ ብሰንኪ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ንዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ ጉዳያት ዝምርምር ኮሚሽን ስርሑ ንሓደ ዓመት ክናውሕ ወሲኑ።

እቲ ብሕብረት ኣውሮጳ ዝቕረበ ዕማመ 21 ድምጺ ብምርኻብ'ዩ ጸዲቑ።እቲ ዕማመ ብዘይካ ማላዊ ንኩለን ኣብ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ ሓዊሱ ብ19 ሃገራት ምንጻጉ'ውን ተፈሊጡ'ሎ።

አባላት'ቲ ኮሚሽን ኣብ 2023 ዝካየድ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ንዘካየድዎ መርመራ ዝምልከት ናይ ቃል ሪፖርት ከቕርቡ ምዃኖም'ውን ይፍለጥ።

ወኪል ኢትዮጵያ ኣብ ጀነቫ ቕድሚ'ቲ ኣኼባ ብትዊተር ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኮሚሽን ከምዘይትቕበሎን አባል ሃገራት'ውን ኣንጻር'ቲ ፖለቲካዊ ዕላማ ዘለዎ ኮሚሽን ድምጽን ክህባ ጸዊዖም ኔሮም።

ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሁማን ራይትስ ዎች ብዛዕባ ምንዋሕ ናይ ስራሕ ጊዜ'ቲ ኮሚሽን "እዚ ነቶም ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለው ሓያል መልእኽቲ ዘሕልፍ: ፈጸምቲ ጥሕሰት ሓደ መዓልቲ ናብ ፍትሒ ከምዝቐርቡ ዘርእይ'ዩ" ኢሉ። እቲ ትካል ወሲኹ ሃገራት'ቲ ኮሚሽን ስርሑ ክሰርሕ ዘድልይ ከበርኽቱ ጸዊዑ።

ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኔድ ፕራስ ኣመሪካ ንምንዋሕ ጊዜ ስራሕ'ቲ ኮሚሽን ከምዝድግፎ ብምግላጽ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኹሎም ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ አካላት ንኹሉ ሓቖፍ:ግሉጽን ሓፈሻዊን መስርሕ ፍትሒ ክጽንበሩ ኣለዎም ድሕሪ ምባል "ከምቲ ካብ መጀመርያ ክንብሎ ዝጸናሕና ነቲ ቅልውላው ንምፍታሕ ዝካየድ መስርሕ ተሓታትነት ዝሓቖፈ ክኸውን ኣለዎ እቲ ኮሚሽን ድማ ነዚ ኣብ ምትግባር ዝካየድ ጻዕርታት ኣገዳሲ ተራ ዝጻወት'ዩ" ኢሎም።

XS
SM
MD
LG