ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ ካብ ክልል ትግራይ ንዝሃደሙ ስደተኛታት ዝውዕል 156 ሚልዮን ዶላር ናይ ገንዘብ ሓገዝ ተማሕጺኑ


ናይ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ስደተኛታት ምስ 30 ዝኾና መሻርኽቱ፡ ነቶም ካብ ግጭት ክልል ትግራይ ዝሃድሙ ዘለዉ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝውዕል ናይ 156 ሚልየን ዶላር ረድኤት ተማሕጺኖም።

እቲ ገንዘብ ኣብቲ ዞባ ኣብ ዝርከባ ካልኦት ሃገራት'ውን ስደተኛታት ንምቕባል ምድላው ከሐይል ከምዝኽእል ናይ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ስደተኛታት(UNHCR) ዘውጽኦ መግለጺ የመልክት።

ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ሰሙናት ልዕሊ 52 ሺሕ ስደተኛታት ካብ ክልል ትግራይ ሃዲሞም ምብራቓዊ ሱዳን ከምዝኣተዉ ዝገለጸ እቲ ትካል፡ ሽሕ'ኳ እቲ ሓዲሽ ምእታው ናብ 500 ንመዓልቲ እንተጎደለ፡ ትካላት ረድኤት ኣብ 10ታት ዓመታት ብኸምዚ ደረጃ ዋሕዚ ርእየንኦ ዘይፈልጣ ምሉእ ሰብኣዊ ህጹጽነት ከአንግዳ ተገዲደን ኣለዋ ኢሉ።

እቲ መደባት ምድላው ንመንግስታት ሱዳን ጅቡትን ኤርትራን ንምሕጋዝ'ውን ዝዓለመ'ዩ ዝበለ UNHCR ንሱ ድማ ነቶም ክሃድሙ ዝተገደዱ ሰባት ናይ ዑቕባን ምድሓን ህይወትን ሓገዝ ዘጠቓልል ምዃኑ ኣብሪሁ፡ሎ።

XS
SM
MD
LG