ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ ካብ ሊብያ ብምብጋስ ዝካየዱ ዘይሕጋዊ ስደት ዝምልከት መርመራ ንሓደ ዓመት ክናዋሕ ወሲኑ


ሕ/ሃ ካብ ሊብያ ብምብጋስ ዝካየዱ ዘይሕጋዊ ስደት ዝምልከት መርመራ ንሓደ ዓመት ክናዋሕ ወሲኑ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:40 0:00

ሕ/ሃ ካብ ሊብያ ብምብጋስ ዝካየዱ ዘይሕጋዊ ስደት ዝምልከት መርመራ ንሓደ ዓመት ክናዋሕ ወሲኑ

ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ ወደባት ሊብያ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ስደተኛታት ኣብ ምስጋር ወይ'ውን ካብ ሃገራት ሰሜናዊ ኣፍሪቃ ሰባት ኣብ ምዝውዋር ንዝተጠርጠሩ ጀላቡ ዝምልከት ዝኻየድ መርመራ ንሓደ ዓመት ክናዋሕ ምውሳኑ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኣፍሊጡ።

እቲ ትማሊ ሓሙስ ዝፀደቐ ውሳነ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝፍፀምንን እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ጠጠው ክብል ኣገዳሲ ምዃኑ ዘረጋገፅ እዩ። ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብ ቀረባ ኣብ ዝወፀ ሪፖርት ከምዝበልዎ ማእከላይ ባሕሪ “ናብ ሃገራት ኣውሮጳ ንምእታው ብዝፍትኑ ስደተኛታትን ተመዛበልትን ዝጉዓዓዙሉ ቁፅሪ ሓደ ቀታሊ መንገዲ ኮይኑ ቀፂሉ ኣሎ" ኢሎም።

እቲ ስጉምቲ ወሲኹ ካብን ናብን ሊብያ ከምኡ'ውን ብዝተፈላለዩ ወደባት ሊብያ ዝግበሩ ምጐዕዓዛት ስደተኛታትን ምስጋር ሰባትን ዝኾነ ኮይኑ እዚ ድማ ከይዲ ምርግጋኣት ሊብያ ንድሕሪት ዝመልስን ህይወት ብኣማኢት ኣሸሓት ዝቑፀሪ ሰባት ኣብ ሓደጋ ዘውደቐ ምዃኑ ይሕብር።

ኣብ 2011 ንነዊሕ እዋን ክመርሕዋ ዝፀንሑ ውልቀ መላኺ ሞዓማር ጋዳፊ ካብ ስልጣን ወሪዶም ድሕሪ ምቅታሎም ጀሚራ ኣብ ቅልውላው እትርከብ ሊብያ ብሰንኪ ድኽነትን ኲናትን ሃገራቶም ገዲፎም ንዝስደዱ ስደተኛታት ኣፍሪቃን ሃገራት ዓረብን መሰጋገሪት ኮይና ፀኒሓ'ያ። መብዛሕትኦም ስደተኛታት ዝገብርዎ ጉዕዞ ድማ ንደሕንነቶም ዘየተኣማምናን ካብ ጎማ ብዝተሰርሓ ጀላቡን እዮም።

XS
SM
MD
LG