ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ ኩነታት ሰብኣዊ ሓገዝ ክልል ትግራይ የንቆልቁል ምህላው ኣፍሊጡ


ሕቡራት ሃገራት ብሰንኪ ምንጽንቓቅ መግቢ ኣብ መኻዚኖታት ረድኤት፣ጥረ ገንዘብን ነዳድን ኩነታት ሰብኣዊ ሓገዝ ክልል ትግራይ የንቆልቁል ምህላው ኣፍሊጡ።

ተሓጋጋዚት ወሃቢት ቃል ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ፍሎረንሽያ ሶቶ ኒኞ ማርቲነዝ ትማሊ ኣብ ዝሃብኦ ጋዜጣዊ መግለፂ ናብ ክልል ትግራይ ብዓፋር ኣቢሉ ዘእትው እንኮ መንገዲ ሰመራ ኣብዓላ ብሰንኪ ናይ ፀጥታ ፀገም፣ቢሮክራሲያዊ ማሕለኻን ብድሆታት ሎጂስትኪስን ካብ 22 ነሓሰ ጀሚሩ ንልዕሊ 10 መዓልታት ምሕላፍ ኣይክኣልን ኢለን።

ነባሪ ኣገልግሎት ንምሃብ መግቢ፣መግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ ቀረባትን ነዳዲን ዝፀዓና 100 ናይ ፅዕነት መካይን በብመዓልቱ ናብ ክልል ትግራይ ክኣትዋ ንግምት ኢለን።ካብ 12 ሓምለ 2021 ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ካብቲ ዘድልይ ትሕቲ 10 ሚእታዊት ጥራይ ምእታው ገሊጸን'።

ካብዚ በተወሳኺ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን እንተወሓደ 200,000 ሊትሮ ነዳዲ የድሊ።ይኹን ደአ እምበር ካብ 12 ሓምለ 2021 ጀሚሩ 282,000 ሊትሮ ነዳዲ ከምዝኣተወን ካብ 16 ነሓሰ ጀሚሩ ድማ ዋላ ሓደ ሊትሮ ነዳዲ ከምዘይኣተወን ሓቢረን።

ግጭት ትግራይ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ልሒኹ ኣብ ውሕስነት ምግቢን ምምዝባል ስቪላትን ፀገም ከምዝፈጠረ ኣብቲ መግለፂ ሓቢረን።ኣብዞም ከባቢታት እዚኦም ኣስታት 1.7 ሚሊዮን ዝግመቱ ሰባት ፀገም ውሕስነት ምግቢ ገጢሙዎም ኣሎ።

ኣብቲ ግጭት ይሳተፉ ዘለው ኩሎም ወገናት በዚ ቅልውላው ንዝተተንከፉ ብእዋኑ፣ብዘይ ዓንቀፍቀፍ፣ብውሑስን ብዘላቕነትን ተበፃሕነት ክፈቕዱ ኣለዎም ኢለን ተሓጋጋዚት ወሃቢት ቃል ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ፍሎረንሽያ ሶቶ ኒኞ ማርቲነዝ።

XS
SM
MD
LG