ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ኢትዮጵያ ንሸውዓተ ሰበስክጣን ሕቡራት መንግስታት ካብ ሃገራት ምብራራ ብዝምልከት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ትማሊ ረቡዕ ኣብዘካየደ ቅሉዕ ኣኼባ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ መንግስቲ ኢትዮጵያ መብዛሕቲኦም ሰራሕተኛታት ሰብኣዊነት ንዝኾኑ ሸውዓተ ላዕለዎት ሰበስልጣን ሕቡራት መንግስታት ምብራራ ዘሰንብድ እዩ ኢሎምዎ።ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣምባሳደር ኣሜሪካ ሊንዳ ቶምሳ ግሪንፊልድ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ከይኣቲ ዕንቅፋት ይፈጥር ኣሎ ክብላ ከሲሰን።ኣምባሳደር ሊንዳ ንምብራር ሰበስልጣን ሕቡራት መንግስታት ብምኹናን ኣባላት ቤት ምኽሪ ስጉምቲ ክወስዱን እቶም ዝተባረሩ ብቅልጡፍ ናብ ስርሖም ክምለሱን ፀዊዐን።ኣምባሳደራት ቻይናን ሩሲያን ግጭት ትግራይ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ እዩ ኢለን።ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ታየ ኣፅቀስላሴ ናብ ሃገራ መን ይእቶ፣መን ይፅናሕ፣መን ይውፃእ ናይ ምውሳን ልኡላዊ መሰል ኢትዮጵያ እዩ ኢሎም።
ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ትማሊ ረቡዕ ንቤት ምኽሪ ፀጥታ ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ ሸውዓተ ሰበስልጣን ሕቡራት መንግስታት ኣብ ጉዳያት ኢትዮጵያ ጣልቃ ይኣትው ነይሮም ዝብል ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝቐረቡ ክስታት መርትዖ ሓቲቶም ኣለው።
‘’ብዛዕባ እዞም ዝተሰጉ ኣባላት ሕቡራት መንግስታት ብዝምልከት ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ዝኾነ ይኹን ትካላት ሕቡራት መንግስታት ዝቐረበ ናይ ፅሑፍ ሰነድ እንተሃሊዩ ቅዳሕ ክወሃበኒ እደሊ እየ፤ምኽኒያቱ ዋላ ሓደ ዝፈልጦ ነገር የብለይን’’ ኢሎም እቶም ዋና ፀሓፊ።
ልዕሊ ሓሙሽ ሚሊዮን ሰባት ኣብ ትግራይ ሓዊሱ ኣብ ትግራይ፣ኣምሓራን ዓፋርን ኣስታት ሸውዓተ ሚሊዮን ሰባት ሓገዝ ምግብን ካልኦት ህፁፅ ደገፍን የድልዮም እዩ ኢሎም። ህይወት ኣድሕን ስራሕቲ ሰብኣዊነት ተሃሲዮም ኣለው ዝበሉ ንሶም ኣብ ባይታ ዝንቀሳቐሱ መሳርሕቶም ምስ ጥምየት ዝተኣሳሰረ ሞት ሓዊሱ ዘስንብድ ስቓይ መሰኻኽር ዓይኒ ብምጥቃስ ይገልፁሎም ከምዘለው ሓቢሮም።
‘’እታ ሃገር ቅልጡፍ ጠመተ ዘድልዮም ሰፊሕ ሰብኣዊ ቅልውላው ገጢሙዋ’’ ዝበሉ ዋና ፀሓፊ ጉተረዝ ‘’ኩሎም ፃዕርታት ህወይት ኣብ ምድሓንን ሰፊሕ ሰብኣዊ ሰቐቐንን ኣብ ምውጋድን ክኸውን ኣለዎ’’ ኢሎም።’’መንግስቲ ኢትዮጵያ መብዛሕቲኦም ሰራሕተኛታት ሰብኣዊነት ንዝኾኑ ሸውዓተ ላዕለዎት ሰበስልጣን ሕቡራት መንግስታት ምብራራ ዘሰንብድ እዩ።እዚ ተራእዩ ዘይፈልጥ ምብራር ኣብ መንጎ ሕቡራት መንግስታትን ኣባላት ሃገራትን ዝ ህሊ ርክብ ዋና መሰረት ስለዝኾነ ንኹላትና ብዓሚቕ ዘተሓሳስብ ክኸውን ኣለዎ’’ኢሎም።
ጉተርዝ ሰበስልጣን ሕቡራት መንግስታትን ትካላት ረድኤትን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንፃዕርታት ዘድሊ ረድኤት ከይኣቲ ናይ ምዕፃው ፃዕርታት የካይድ ኣሎ ኢሎም።
‘’መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣዚዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ነዳዲ፣ ገንዘብ፣ መሳርሕታት ኮሚኒኬሽን ሰብኣዊ ቀረባትን ናብቶም ክልላት ክኣቲ ክፈቅድ አተሓሳስብ ኣለኹ።ኩሎም ኣባላት በት ምኽሪ ፀጥታ ደድሕሪ ፃውዒት ሕቡራት መንግስታትን ኣብ ኢትዮጵያ ዘለው መሻርኽቱን ክሓብሩ እምሕፀን ኣለኹ’’ ኢሎም ንሶም ብምውሳኽ።
ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ታየ ኣስቀ ስላሴ ሰራሕተኛታት ሕቡራት መንግስታት ናይ ሓሶት ቁፅሪ ብምፍጣር፣ጥምየት ከም መሳርሒ ኵናት ኣብ ጥቕሚ ይውዕል ኣሎ፣ሰባት ብጥምየት ይሞቱ ኣለው ብምባልን ኸሲሶም ኣለው።
ምብራር ናይ መጀመሪያ ስጉምትና ኣይነበረን ዝበሉ ኣማባሳደር ታየ ሻቖለትና ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ንሰበስልጣን ሕቡራት መንግስታት ገሊፅና ኢና ኢሎም።’'8 ሓምለ 2021 ምኽትል ቀዳማይ ምንስቴርን ናይ ወፃኢ ምንስቴርን ኢትዮጵያ ብሰራሕተኛ ሕቡራት መንግስታት ዝተፈፀሙ ጉድለታት ስነምግባር ብዝርዝር ንቤት ፅሕፈት ሕቡራት መንግስታት ደብዳቤ ልኢኾም እዮም።ንገለ ሰራሕተኛታት ፀዊዕና እውን ኣጠንቂቕናዮም ኢና።እንተኾነ እቲ ጉድለት ስነ ምግባር ቀፂሉ እዩ’’ ኢሎም።
ናብ ሃገራ መን ይእቶ፣መን ይፅናሕ፣መን ይውፃእ ናይ ምውሳን ልኡላዊ መሰል ኢትዮጵያ እዩ ኢሎም ኣምባሳደር ታየ ኣፅቀስላሴ።
ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣምባሳደር ኣሜሪካ ሊንዳ ቶምሳ ግሪንፊልድ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ከይኣቲ ዕንቅፋይ ይፈጥር ኣሎ ክብላ ከሲሰን።ኣምባሳደር ሊንዳ ንምብራር ሰበስልጣን ሕቡራት መንግስታት ብምኹናን ኣባላት ቤት ምኽሪ ስጉምቲ ክወስዱን እቶም ዝተባረሩ ብቅልጡፍ ናብ ስርሖም ክምለሱን ፀዊዐን።
ተግባራት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣስገዳድ ፆታዊ መድፈርቲን ጥምየትን ሓዊሱ ከም መሳርሒ ኵናት ምጥቃም ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ስቪላት ህውከት ምፍፃምን ንሰራሕተኛታት ሕቡራት መንግስታት ምብራርን ንምክልባትን ንምዕፋንን ኮነ ተባሂሉ ዝስራሕ ናይ ምስንኻል ተግባር እዩ ኢለን።
እቲ ናይ ጥምየት ኩበታት ኣብ ሶማሊያ ኣብ 2011 ኣ\ፈ ምስ ዝነበረ ዝመሳሰል እዩ እውን ኢለን ብምውሳኽ።
ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ኣኼባ ኣምባሳደራት ኣየርላንድ፣ ብሪታኒያን፣ኢስቶኒያን ካልኦት ነቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዋና ፀሓፊ ዝደገፉ ክኾኑ ከለው ኣምባሳደራት ቻይና፣ሩሲያን ብቱንዚያ ዝምራሕ ጉጅለን እቲ ጉዳይ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ውሽጢ ጉዳይ እዩ ኢሎምዎ ኣለው።
ብፍላይ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ቀዋሚት ወኪል ፌደረሽን ሩሲያ ኣምባሳደር ኣና ኤቪስቲግኒቫ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝካየድ ፀቕጢ ተቓዊመን ኣለዋ።’’ናይዚ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ምፍርራሕን ውሳነታትን ዘይሕጋዊ በይናዊ እገዳ ምንባርን ብሚዲያ ዝፍጠር መርዛም ሃዋህውን ነቲ ኩነታት ዘጋድ ድ እዩ’’ ኢለን።