ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝጋደድ ብዘሎ ግጭት ዘለዎ ስግኣት ይገልጽ


ፋይል
ፋይል

ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ ኣብ ደቡብ ሱዳን ላዕለዋይ ናይል ጎንፅታት እናተጋደዱ ይመፁ ምህላዎም ሰበ ስልጣን ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ስግኣቶም ይገልፁ። እቶም ሰብ መዚ ወሲኾም ክሳብ ሕጂ ኣስታት 20,000 ዝኾኑ ሰባት መንበሪኦም ሓዲጎም ምዝንባሎምን ካልኦት ብኣሻሓት ዝቑፀሩ ድማ ናብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ምስዳዶምን ይገልፁ።

ኣብ ደቡብ ሱዳን ተወካሊ ላዕለዋይ ኮምሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዓራፋት ጀማል እቲ ካብ 15 ነሓሰ ጀሚሩ ኣብ ላዕለዋይ ናይል ቁሸት ቶጋ ዝተወለዐ ጎንፂ ካብቲ ናይ ቅድሚ’ሎም ዝተፈለየን ዘሰንብድ ምዃኑ ይገልጹ። ንሶም ወሲኾም ኣብ ሞንጎ ዓሌታት ዘሎ ምትፍናን ዝለዋወጥዎ ናይ ጽልኢ ዘረባታትን ኣዝዩ ከምዘተሓሳሰቦም ንድምፂ ኣመሪካ ገሊፆም።

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ተሓባበርቱን ኣፀገምቲ ኣብ ዝኾኑ ከባቢታት ንዝርከቡ ንሓደጋ ዝተቓልዑ ሰባት ከይተረፈ ንምሕጋዝ ፣ መዕቆቢን መግቢን ሓዊሱ ገንዘባዊን ካልኦት ሓገዛትን ይህብ ምህላዎም ብምግላጽ ይኹን”ምበር ካብ እዋን ናብ እዋን እናተጋደደ ይመፅእ ብዘሎ ጎንፂ ምኽንያት ዝበራኸት ዘሎ ቁፅሪ ስደተኛታት ንምብፃሕ ዓቕሚ ይሓፅሮ ምህላዉን ኣብዚ ዓመት ንሓገዝ ካብ ዘድልዮ 214.8 ሚልዮን ዶላር ገንዘባዊ ሓገዝ 46% ጥራሕ ምርካቡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ተወካሊ ላዕለዋይ ኮምሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዓራፋት ጀማል ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG