ዋሽንግተን —
ሕቡራት ሃገራት ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ቀረባ መዓልታት ልዕሊ 150 ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ፆታዊን ካልኦት መልክዓት ዓመጽ ከምዝተፈፀመን ገሊፁ።
ሰበስልጣን ትካላት ሕቡራት ሃገራት ዩኒሴፍ፣ሰብኣዊ ጉዳያትን ፈንድ ስነህዝብን ኣብ ዘውፅኡዎ ሓባራዊ መግለፂ ኣብ ጥቓ ሰሜናዊ ከተማ በንቲዩ ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ‘’መብዛሕቲኦም ዩኒፎርም ብዝተኸደኑ ዕጡቓት ደቂ ተባዕትዮ’’ እዩ ይብሉ።
ዝምልከቶም ሰበስልጣን ነቲ መጥቓዕቲ ብወግዒ ክኹንኑዎን ገበን ዝፈፀሙ ድማ ናብ ሕጊ ከቕርቡዎምን ሰለስቲኦም ትካላት ሕቡራት ሃገራት ዘውፅኡዎ መግለፂ ይፅውዕ።
ሓካይም ብዘይዶብ ዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ትካል ብወገኑ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝገለፆ 125 ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ኣብ በንቲዩ ናብ ዝርከብ መከፋፈሊ መግቢ ይጉዓዛ ኣብዝነበራሉ እውን ጾታዊ ዓመጽ ከምዝተፈጸመን ገሊፁ ነይሩ።
ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ፍርቂ 2018 ኣስታት 2,300 ተግባራት ፆታዊ ዓመፅ ናብ ሕቡራት ሃገራት ሪፖርት ከምዝተገብረ ይሕብር።መብዛሕቲአን ግዳያት ደቂ ኣንስትዮ ክኾና ከለዋ ልዕሊ 20 ሚእታዊት ድማ ቆልዑት እየን።