ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ ኣብ ዝሓለፈ 37 መዓልታት ረድኤት ዝጸዓና መካይን ናብ መቐለ ከምዘይሓለፋ ገሊጹ


ወሃቢ ቃል ሕ/ሃ ስተፈን ዩሪክ.
ወሃቢ ቃል ሕ/ሃ ስተፈን ዩሪክ.

ብሰንኪ ኣብ ኣብ ዓላ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፣ ንዝሓለፋ 37 መዓልታት፣ ረድኤት ዝጻዓና መካይን ብሰመራ ኣብ ዓላ መቀለ ኣቢለን ከምዘይሓለፋ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ካብ 2 ነሓሰ ጀሚሩ ድማ፣ ነዳዲ ናብ ትግራይ ንክኣቱ ከምዘይተፈቀደ፣ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝሰርሑ ትካላት ረድኤት ብወገኖም ዝኣክል ነዳዲ ይረኽቡ ከምዘየለው ወሃቢ ቃል ሕ/ሃ ስተፈን ዩሪክ ጠቂሱ።

ብሰንኪ’ዚ ይብል እቲ ወሃቢ ቃል፣ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ትካላት ረድኤትን፣ ምክፍፍል ረድኤት እኽሊ፣ ንምንካይ፣ ንምቁራጽን ናብ ካልእ ጊዜ ንምትሕልላፍን ከምዝተገደዱ ኣፍሊጡ።

ካብ 6 ክሳብ 12 ጥሪ ኣብ ዝነበረ ጊዜ 10,500 ሰባት ረድኤት ከምዝተቀበሉ፣ እንተኾነ ልዕሊ 800 ሽሕ ህዝቢ ሰሙናዊ ሓገዝ ዘድልይዎም ከምዝኾኑ ሓቢሩ።

ኣብ ምእታው ዝካኣለሎም ከባቢታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን፣ ሰብኣዊ ረድኤት ወሲኹ ከምዘሎ’ውን ሕ/ሃ ጠቂሱ።

XS
SM
MD
LG