ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን 1.7 ሚልዮን ውሕስነት መግቢ ዘይብሎም ሰባት ከምዘለው ገሊጹ


ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት
ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት

እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝጀመረ ውግእ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ድሕሪ ምልሓኹ፣ ንጠለብ ሰብኣዊ ረድኤት ዝያዳ ኸም ዜዛየዶ፣ ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ስቴፈን ዮሪክ ትማሊ ገሊጹ። ኣብ ክልቲኡ ክልላት ልዕሊ 1.7 ሚልዮን ሰባት ናይ መግቢ ውሕስነት ከምዘይብሎም ወሲኾም ሓቢሮም።

ኣብ ክልል ዓፋር ልዕሊ 140,000 ሰባት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም፣ ልዕሊ 233,000 ሰባት ድማ ኣብ ክልል ኣምሓራ ናብ ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ተመዛቢሎም እዮም።

እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ካብ 5 ክሳዕ 7 መስከረም ኣብ ዘሎ ጊዜ፣ 147 ረድኤት ዝጻዓና ዓበይቲ መካይን ናብ ክልል ትግራይ ከምዝኣተዋ፣ ካብ 22 ነሓሰ ክሳብ 5 መስከረም አብ ዝነበረ ጊዜ ግና ናብ ክልል ትግራይ ክኣትዋ ከምዘይካኣላ ሕቡራት ሃገራት ጠቂሱ።

ሕቡራት ሃገራት እዚ ምዕባለ እዚ ባህ ዜብል እኳ እንተዀነ መግብን ነዳድን ዝጻዓና 100 ዓበይቲ መካይን ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ናብ ክልል ትግራይ ክኣትዋ ከምዝግባእ ሎሚ’ውን ምዝኽኻር አገዳሲ እዩ ይብል ።

ብካልእ ምዕባለ ይብል ሕ/ሃ፣ ናይ ሕብረት ኣውሮጳ ፈላማይ ነፈርቲ ትካላት ግብረ - ሰናይ፣ 7 ሜትሪክቶን ሃነጽቲ መግቢ ሒዘን ብ11 መስከረም ናብ ክልል ትግራይ ከምዝኣተዋ ተፈሊጡ።

ካብ አዲስ አበባ ንመቀለ ዝበራ ናይ ሕ. ሃ. ነፈርቲ ከምቲ ዝተመደበለን፣ ክሳብ ሎሚ ኣብ ሰሙን ክልተ ጊዜ በረራታት ካብ ምግባር ኣየቋረጻን።

XS
SM
MD
LG