ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ: ኣብ ኣፍጋኒስታን ሃገር ከቢድ ቅልውላው ሰብኣዊ መሰላት ከጋጥም ይኽእል ዩ ክብል የጠንቅቕ


ላዕላዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣፍጋኒስታን ከቢድ ቅልውላው ሰብኣዊ መሰላት የጋጥማ ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ መራሕቲ ጣሊባን መሰል ሰባት ኣብ ምኽባር እንተፈሺሎም እታ ሃገር ናብ ዝኸፍአ ውድቀት ክተምርሕ`ያ ዝብል ጸብጻብ ኣቕሪቡ።

እቲ ጸብጻብ ኣብ ጀነቫ ኣብ ዝተኻየደ ፍሉይ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት`ዩ ቀሪቡ። ቁጠባ ኣፍጋኒስታን ኣብ ገምገም ምውዳቕ ኣሎ ዝብል እቲ ጸብጻብ፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት እቲ መሰረታዊ ዘድልዮም ነገራት`ኳ ክረኽብሉ ኣብ ዘይክእልሉ ደረጃ ወዲቖም ኣለዉ ክብል ኣጠንቂቑ`ሎ።

እቲ ጸብጻብ ድኽነት ዘሳቐዮም ሰባት ናይ ዓቕሊ ጽበት ስጉምቲ ክወስዱ ይግደዱ ኣለዉ፡ ከም ሸቕሊ ቆልዑ፡ መርዓ ቆልዑ ወላ`ውን ክሳብ ምሻጥ ቆልዑ ይብጻሕ ኣሎ ይብል ።

ኣስዒቡ ቅድሚ ጣሊባን ዝነበረ ዝለዓለ ሞት ሲቪላት፡ ጣሊባን ምስ መጸ እንተጎደለ`ኳ፡ ሕጂ`ውን ብዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጉጅለታት ምቕታል ኣይተረፈን ይብል።

ምኽትል ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ናዳ ኣል-ናሺፍ፡ ነቲ ኣብ ጀነቫ ዝተጋብአ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰል ፡ ኣብ ዙርያ`ታ ሃገር በዘፈቀደ ምቕታል ወሲኹ`ሎ ድሕሪ ምባል፡ ንቆልዑት ብኣኽረርቲ ዕጡቓትን ብሰበ-ስልጣን ጣሊባንን ናብ ውትህድርና ምምልማል ኣዝዩ ዘሻቕል ተርእዮ ኮይኑ`ሎ ክትብል ስኽፍትኣ ገሊጻ።

ናዳ ኣል-ናሺፍ ወሲኻ ህዝቢ ኣፍጋኒስታን ብፍላይ ድማ ደቀንስትዮ፡ ኣብ ከቢድ ጸገም ወዲቐን ኣለዋ። ከም ናይ ትምህርቲ ዕድልን ፡ ዝሓለፈ 10`ታት ዓመታት ረኺበንኦ ዝነብራ ኣገዳሲ ተሳትፎ ኣብ ጉዳያትን ይስእንኦ ምህላወንን ዘሻቕል`ዩ ትብል ።

ኣተሓሒዛ፡ ጣሊባን ንደቀንስትዮ ናብ ጸግዒ ምምጉናይ እንተቐጺሉሉን፡ ከም ምንፋግ ዕድላት ትምህርቲ፡ ካብ ስራሕ ምእጋድ ከምኡ`ውን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ወዲ ተባዕታይ ምእታወን እንተቐጺሉ፡ ከቢድ ዋጋ ዘኽፍል ምዃኑ ትገልጽ፡፡

“ ደቀንስትዮ ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወተን ምስታፈን ክቕጽላ፡ ንመጻኢ ዕድል ኣፍጋኒስታን መሰረታዊ`ዩ።ብመሰረት ትካላት ሕቡራት ሃገራት ዘውጽኦ ጸብጻባት፡ ንደቀንስትዮ ካብ ስራሕ ምእጋድ ክሳብ ሓደ ቢልየን ዶላር ወይ ክሳብ 5% ሃገራዊ እቶት`ታ ሃገር ናብ ክሳራ የውድቕ። ንድሕሪት እናተገደፋ ናይ ዝኸዳ ኣዋልድ ቁጽሪ ኣብ ዝውስኸሉ እዋን፡ ኤኮኖሚያውን ማሕበራውን ጉድኣት፡ ነቲ መጻኢ ወለዶ ተዋህሊሉ ዝጸንሖ`ዩ ዝኸውን።:

ኣብቲ ኣብ ጀነቫ ዝተኻየደ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ጣሊባን ንኣፍጋኒስታን ወኪሉ ክሳተፍ ኣይተፍቕደሉን። ስለዚ ኣብ ግዜ ፕረዚደንት ኣፍጋኒስታን ነበር ጋኒ ፡ ኣብ ጀነቫ ኣምባሳደር ኣፍጋኒስታን ዝነበረ ናስር ኣንዲሻ እዩ ወኪል ኣፍጋንስታን ኮይኑ ኣብቲ ኣኼባ ተሳቲፉ፡ ሕቡራት ሃገራት ሕጋዊ ኢሉ ኣፍልጦ ዝሃቦ'ውን ንዕኡ'ዩ።

ንሱ ኣብቲ እዋን ክዛረብ ከሎ፡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ምስ ህዝቢ ኣፍጋኒስታን ደው ክብልን፡ ጣሊባን ንመሰረታዊ መሰላትን ናጽነትን ህዝቢ ኣፍጋን ከነፍግ ከይፍቅደሉን ብምጽዋዕ መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ፡ ብመሰረት ጸብጻብ ሊዛ ሽላይን ካብ ጀነቫ።

XS
SM
MD
LG