ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ ኣብ ኣብ ኮምቦልቻ ዝነበረ መኽዘኑ ከምዝተዘርፈ ኣፍሊጡ


ወሃቢ ቃል ጠቅላሊ ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ስቲቨን ዱጃሪክ -ፋይል
ወሃቢ ቃል ጠቅላሊ ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ስቲቨን ዱጃሪክ -ፋይል

ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ ኮምቦልቻ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከብ መኽዘኑ ዝነበረ ገዚፍ መጠን ዘለዎ ሰብኣዊ ረድኤት (ንዝተማለአ መግብናን መግቢ ቆልዑን ሓዊሱ)ከምዝተዘረፈ ገሊጹ።

ሕቡራት ሃገራት ብመሰረት ዝበጽሖ ሪፖርት ብንእሽተይ ስርቂ ዝጀመረ ናብ መጠነ ሰፊሕ ከምዝተሰጋገረን፣ ገለ ኣባላት ሰራዊት ትግራይን ነበርቲ ኮምቦልቻን ከምዝተፈጸመ ይሕብር።

መጠን ዝተዘርፈ መግቢ ይጻረ ከምዘሎ፣ እንተኾነ፣ እቲ ተግባር ንኩነተ ሕጽረት መግቢ ከምዘጋደዱን፣ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ቀረብ ረድኤት ከምዝጎድኡን ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ኣባላት ፕሮግራም መግቢ ዓለም፣ ብሰንኪ ዘጋጠሞም ከቢድ ምፍርራሕ ነቲ ተግባር ደው ከብልዎ ከምዘይካኣሉን፣ ብሰንኪ’ዚ፣ እቲ ትካል ኣብ ደሴን ኮምቦልቻን ንዝነበረ ስርሑ ከምዘቋረጾን’ውን ዝመጸና ዜና ጠቂሱ።

እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ዕጡቃት ንሰለስተ መካይን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ጨውዮም፣ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ረብሓ ከምዘውዐሉወን ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ሕቡራት ሃገራት እዞም ዝተጠቀሱ ተርእዮታት ኣዚና ብምኹናን ኣብ’ቲ ውግእ ዝዋስኡ ሓይልታት፣ ንዓለምለኸ ሕጊ ንከኽብሩ ንጽውዕ ይብል።

ኣብ ክልል ትግራይ 5.2 ሚልዮን፣ ኣብ ዓፋር 534 ሽሕ፣ ኣብ አምሓራ 3.7 ሚልዮን ህዝቢታት ተጸበይቲ ህጹጽ ረድኤት ኮይኖም ከምዘለው’ውን ሪፖርት ሕ/ሃ ይሕብር።

XS
SM
MD
LG