ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ ኣብ ኣሜሪካን ኣውሮጳን ብብዝሒ ዝረአ ዘሎ ጸረ -ሰማዊነት ኮኒኑ


ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ፅሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኣውሮጳን ኣሜሪካን ዝረአ ዘሎ ፀረ ሰማዊ መጥቓዕትታት/ፍፃመታት እናወሰኽ ምኻዱ ኮኒኑ።መንግስታት ብዝኾነ ይኹን መልክዑ ዝግለፁ ዓሌታውነትን ዘይምክእኣልን ንምክልኻል ፃዕርታቶም ከሐይሉ ፀዊዑ’ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ጀርመን ፀረ ሴም ፍፃመታት ብዝለዓለ ደረጃ ብምውሳኹ ኣይሁዳዊያን ኣብ ርእሶም ዝገብሩዎ ምልክት ወይ ቖቢዕ ብግልፂ ከይኽደኑ ሰበስልጣን መንግስቲ ፀዊዖም ኣለው።

እቲ ትካል ወሲኹ ኣብ ገለ ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኣይሁዳዊያን ኣካላዊ መጥቓዕቲ ምፍፃሙ ከምዘሰንበዶ ገሊፁ።ወሃቢት ቃል ናይቲ ትካል ማርታ ሁርታዶ ኣብ ጀርመንን ፈረንሳን ጎነፃዊ ኣጋጣሚታት ምውሳኾምን እቲ ዝኸፍአ ግን ኣብ ኣሜሪካ ዝተፈፅመ መጥቓዕቲ እዩ ኢለን።

“እቲ ዝኸፍአ ኣብ ኣሜሪካ እዩ ተፈፂሙ።ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ኣብ ፒትስበርግ ኣብ ዝርከብ ‘Tree of Life’ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ናይ ኣይሁዳዊያን ቤተ እምነት /ሲነጎግ/ ብዝተፈፀመ መጥቓዕቲ 11 ሰባት ሞይቶም።ኣብ ደቡባዊ ካሊፎርኒያ ዝርከብ ሲነጎግ ኣብ ሚያዚያ ብዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ሓንቲ ሰበይቲ ሞይታ።”

ንሰን ብተወሳኺ ዓሌት፣ሃይማኖት ወይ ፆታዊ መንነቶም መሰረት ገይሩ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝፍፀም ፖሊሲን መጥቓዕትን ብመንግስታት ከውግዙን ክኹንኑን ኣለዎም ኢለን።

XS
SM
MD
LG