ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ ግጭት ንምፍታሕ ብሕ/ኣ ዝተመዘዙ ልኡኻት ከምዝተቐበሎም ኣፍሊጡ


ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዘሎ ግጭት ብሰላም ንምፍታሕ ሕብረት ኣፍሪቃ ሰለስተ ኣባላት ዝሓቖፈ ላዕለዋይ ልኡኽ ምሻሙ ብሓጎስ ተቐቢሎምዎ።

ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ብወሃቢ ቃሎም ስቴፋን ዱጃሪክ ኣቢሎም ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ዝኾኑ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ስሪል ራማፎዛ ንዝወሰዱዎ ተበግሶ ብምምስጋን ናይ ሕቡራት ሃገራት ምሉእ ደገፍ ከምዘለዎ ሓቢሮም።ነዚ ናይ ሰላም ተበግሶ ንዘዳለው ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ዘለዎም ናእዳ እውን ገሊፆም ኣለው።

እቶም ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ሰላም ዝሰፈነላ፣ዝተረጋግአትን ዝበልፀገትን ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ኣብ ዝካየድ ፃዕሪ ንምሕጋዝ ዘለዎም ድልውነት ደጊሞም ኣረጋጊፆም።

XS
SM
MD
LG