ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ: ኣብ ኢትዮጵያ ብዝርአ ዘሎ ሰፊሕ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ሻቕሎቱ ይገልጽ


ኣብ ሕቡራት ሃገራት ንምክልኻል ግህሰትን ዓሌታዊ ምጽናትን ኣመልኪቱ ዝሰርሕ ኣሃዱ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝርአ ዘሎ ሰፊሕ ግህሰታት ስክፍታኡ ገሊጹ። እቲ ኣሃዱ ብዓርቢ 30 ሓምለ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ዓሌታዊ ጽልኢ ቅልጡፍ መግትኢ እንተዘይተገይሩሉ ካልእ ሳዕቤን ከህሉዎ ከም ዝኽእል የጠንቅቕ ኣሎ።

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ፍልይቲ ኣማኻሪት ኣብ ጉዳያት ምክልኻል ህልቂት ዝዀና ኣሊስ ዋይሪሙ ንድሪቱ፡ ኣብ ኢትዮጵያ እናንቆልቆለ ብዝኸይድ ዘሎ ኩነታት ከምዘሻቐለን ገሊጸን። እተን ፍልይቲ ኣማኻሪት ኣብ ዘውጽአኦ ናይ ጽሑፍ መግለጺ ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ዓፋር፡ ሶማሌ፡ ኦሮሚያን ኣምሓራን ዝፍጸም ዘሎ ከበድቲ ምግሃሳት ዓለምለኸ ሕግታት ሰብኣዊ ረድኤትንን ሰብኣዊ መሰላትን ናይ መጠንቐቕታ ድምፀን ኣስሚዔን’ለዋ። እተን ፍልይቲ ኣማኻሪት ነተ ኣብ ዝሓለፈ 5 ለካቲት ብዛዕባ’ታ ሃገር ዘውፅእኦ መግለፂ ደግመንኦ’ለዋ።

ኲናት ኣብ ትግራይ ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ እቲ ኣሃዱ፡ ንጾታዊ ዓመጽ፡ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ፡ ትሕቲ-ዕድመ ዕስክርና፡ ዓሌታዊ ቅትለትን ካልኦት ተመሳሳልቲ ግህሰታትን ኣመልኪቱ ጸብጻባት ብቀፃሊ ይቅበላ ምህላወን እዚ ድማ ናብ ካልኦት ክፍልታት’ታ ሃገር ይውስኽ ከም ዘሎ ገሊፀን። ከምኡ’ዉን ብዝብሕጎግ ዘሎ ላዕለዋይነት ሕጊ ከምዝጓሃያን ብምግላጽ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ቀረባ ንዘቅረቦ መጸዋዕታ ብምቅላሕ ኣብ ክልል ትግራይ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብሕፁፅ ደው ክብል ፀዊዔን።

እተን በዓልቲ ስልጣን፡ ኣስዒበን ነቶም ብላዕለዎት መራሕቲ ተሓባበርቶም ዕጡቃት ጉጅለታትን ፡ ንዓሌታዊ ጎንጺ ከጐሃህሩ ዝኽእሉ ኣጠቓቕማ ቃላት ኰኒነን። ተዃታዂ ቃና ኣለዎም ተባሂሎም ኣብቲ ናይ ጽሑፍ መግለጺ ተጠቒሶም ዘለዉ ቃላት፡ከምእኒ “መንሽሮ:ሰይጣን:ጻህያይን ኣጋምን" ዝብል ምስ ክልል ትግራይ ኣመልኪቶም ዝጥቀሱ ዘለዉ’ዮም። ናይ ፅልኢ ዘረባታት ምስ ናይ ማሕበራዊ ፕሮፖጋንዳ ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ናይ ዘርኢ ምትፍናን ነዳዲ ክውስኽ ከም ዝኽእል ዘሎ ሻቅሎት ብምግላፅ የጠንቅቕ።

መንነት መሰረት ዝገበሩ ግፍዓዊ ገበናት ብናይ ፅልኢ ዘረባታትን ምልዕዓላት ህውከትን ከምዝጅምሩ ኣብ ብዙሓት ቦታታት ርኢና ኢኣ ዝበላ እተን ፍልይቲ ኣማኻሪት፡ ከምዚ ዝበሉ ምልዕዓላት ብዓለምለኸ ሕጊ ሃገራዊ ሕግን ክልኩል'ዩ ኢለን። ኩሎም ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ክልላትን ነቲ ኲናት ደው ከብሎን ካብቲ ንዓሌታዊ ምጽናት ክመርሕ ዝኽእል ምትፍናን ክዓግቶን ሓላፍነት ከም ዘለዎ ኣስሚረን። እቲ መግለጺቀዳማይ ክውሰድ ዘለዎ ስጕምቲ ድማ ምቍራጽ ተጻብኦታት ምዃኑ ይጠቅስ ።

መሰላት ኵላቶም ብሄራት ኢትዮጵያ ብማዕረ ክኽበር ከም ዘለዎ ዘዘኸራ እተን በዓልቲስልጣን በደልቲ ናብ ሕጊ ክቐርቡ ጸዊዐን። ኣስዒበን ከኣ ኵላተን ዞባውያንን ኣህጉራውያንን ውድባት፡ ብሕልፊ እኳ ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ ነቲ ዓሌታዊ ጎንጺ ንምውጋድ ዘድሊ ስራሕ ክዓምም ኣዘኻኺረን።

XS
SM
MD
LG