ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝህቦ ኣቕርቦት ሰብኣዊ ሓገዝ ምምሕያሹን ምቕጻሉን ገሊጹ


ተሓባባሪት ወሃቢ ቃል ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ፍሎረንሲያ ሶቶ ኒኞ
ተሓባባሪት ወሃቢ ቃል ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ፍሎረንሲያ ሶቶ ኒኞ

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣቕርቦት ሰብኣዊ ሓገዝ ምምሕያሹን ይቕጽል ምህላውን ተሓባባሪት ወሃቢ ቃል ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ፍሎረንሲያ ሶቶ ኒኞ ገሊፃ። ንሳ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ ኣብ ክልላት ዓፋር:ኣምሓራን ትግራይን ስርሓቶም ኣስፍሖም ምህላውን ኣብ ገለ ከባቢታት ግን ሕጂ'ውን ንምብፃሕ ኣፀጋሚ እዩ ኢላ።

ብኻልእ ወገን ኣብ ደቡባዊ ክልል ኣምሓራን ኣዋሰንቲ ከባቢታት ክልል ኦሮሚያን ብዝተኻየደ ውግእ ካብ ክልል ኣምሓራ ዞባታት ሰሜን ሸዋ ፣ ደቡብ ወሎን ምዕራብ ጎጃምን ብዙሕ ህዝቢ ተመዛቢሎም ኣለው ኢላ። መሻርኽትና ሰብኣዊ ትካላት ድማ መግቢ: መዕቖቢን ካልእ ረድኤትን ንህዝቢ የቕርቡ ኣለው ኢላ።

ንሳ ብተወሳኺ ኣብ ደቡባዊን ምብራቕን ክፋላት ኢትዮጵያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዘጋጠመ ከቢድ ደርቂ ተጎዲኦም ኣለው: ንሕናን መሻርኽትናን ን17 ሚሊዮን ሰባት መግቢ: ማይ: ኣገልግሎት ጥዕናን ሕርሻን ንምብፃሕ ዓሊምና ኣለና ኢላ።

ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ሶማልን ብዝተላዕለ ለበዳ ሕማም ኮሌራ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ምሕማሞም እውን እታ ወሃቢት ቃል ሓቢራ።

XS
SM
MD
LG