ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ ኣብ ሞዛምቢክ ንነዊሕ ዝጸንሕ ሰብኣዊ ቅልውላው ከጋጥም ከምዝክእል የጠንቅቕ


አብ ሰሜናዊ ሞዛምቢክ፣ ንነዊሕ ክጸንሕ ዝኽእል ሰብኣዊን ናይ ሓለዋን ቅልውላው፣ ጥምየትን ሕማማትን ኣንጸላልዩ ኣሎ ክብል ትካል ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቁ።

ብሰንኪ ኣብ ሰሜናዊ ሞዛምቢክ ዝተወለዐ ውግእ፣ ሰባት ብብዝሒ ካብ’ቲ ከባቢ ይሃድሙ ከምዘለው፣ እቶም ዝሃደሙ ሰባት ብእስላማዊ ጥሩፋት ምልሻታት ከቢድ ግፍዒ ይፍጸም ከምዘሎ ገሊጾም።

ዳይሬክተር ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት ማኑኤል ፎንተይን ብወገኖም "ሰባት ፍርቂ ለይቲ ከመይ ኢሎም ከምዘምለጡ ነጊሮምና። ሂወቶም ንምድሓን ኢሎም ክሃድሙ ከለው ስድራ ቤታት ከመይ ከምዝተፈላለያ ጠቂሶምልና እዮም" ኢሎም።

ብመሰረት ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ) ድማ፣ 33 ሽሕ ቆልዑ ሰሜናዊ ሞዛምቢክ፣ ተጸበይቲ ህጹጽ ረድኤት ህይወት ኣድሕን ኮይኖም ከምዘለው ተገሊጹ። ኮሌራን ኮቪድ 19ን ቀዳማይ ስግኣት ኮይኖም ከምዘለው’ውን ይግለጽ።

XS
SM
MD
LG