ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ ኣብ ምብራቕ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዘጋጠመ ደርቂ 175 ሽሕ ሰባት ምጉድኦም ሓቢሩ


ፋይል
ፋይል

ኣብ ምብራቓዊ ኢትዮጵያ ብዘጋጠመ ደርቂ ኣስታት 175 ሺሕ ሰባት ከምዝተጎድኡ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ። በቲ ደርቂ ልዕሊ 1.5 ሚልየን ጥሪት ከምዝሃለቓ`ውን ጠቒሱ`ሎ።

ነቶም ግዳያት ንምሕጋዝ ልዕሊ 120 መትሪክ ቶን መድሃኒትን ካልእ ቀረባትን ከምዝተላእከ ዝገለጸ ወሃቢ ቓል ሕቡራት ሃገራት ስቲፈን ዱጃሪክ፡ ክብደት ናይቲ ደርቂ ተወሳኺ ገንዘብ ዝሓትት ብምባል ሓገዝ ክዋጻእ ተማሕጺኑ`ሎ።

እቲ ደርቂ ንጎረቤት ሃገር ሶማል`ውን ብኸቢድ ከምዘጥቀዐን ልዕሊ 4.5 ሚልየን ሶማልያውያን ንጥምየት ምቕልዖም ብምሕባር 1.5 ቢልየን ዶላር ዝግመት ሓገዝ ከምዘድልይ ገሊጹ።

XS
SM
MD
LG