ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሊብያ: ኤርትራዊያን ግዳያት ደብዳብ ነፈርቲ መዳጎኒ ማእከል ታጁራ እንታይ ይብሉ


ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊብያ ኣብ መዳጎኒ ማእከል ታጁራ ብዘጋጠመ ደብዳብ ነፈርቲ ኣስታት 40 ሰባት ምሟቶም ሓቢሩ’ሎ።

ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊብያ ጋሳን ሳላመ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ “ እቲ መጥቓዕቲ ምስ ገበን ኹናት ዝምደብ’ዩ” ኢሎም ድሕሪ ምግላጽ “ኣብ ዘሰካሕክሕ ኩነታት ዝርከቡ ንጹሃን ሰባት ዘጽለልሉ ቦታ ብሃንደበት እዮም ተቐቲሎም ዘለው” ኢሎም።

ሕቡራት ሃገራት፡ ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታትን ሕብረት ኣፍሪቃን ነቲ ደብዳብ ነፈርቲ ብትሪ ኾኒኖምዎ ኣለው።

ሰበ ስልጣን ሕክምና ሊብያ ተወሳኺ ኣስታት 80 ሰባት በቲ ኹነታት ምቁሳሎም ሓቢሮም ኣለው።

ላዕለዋይ ኮሚሽነር ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፍሊፖ ግራንደ ሰላማዊያን ሰባት ዒላማ ክኾኑ ኣይግባእን: ስደተኛታት ድማ ኣብ መዳጎኒ ክእሰሩ’ውን ኣይግባእን እዩ። ኣውሮጳ ንምብጻሕ ሓደገኛ ጉዕዞ ኣብ ምክያድ ዝተታሕዙ ስደተኛታት ናብ ከም ሊብያ ዝኣመሰለ ዘይውሑስ ቦታ ጃብ መጀመርያ ክምለሱ’ውን ኣይግባእን ኔሩ ኢሎም።

ንሶም ብተወሳኺ ምስ ኣብ ሊብያ ዝዋግኡ ዘለው ክልቲኦም ወገናት ቅርበት ዘለዎም ሃገራት ኹናት ደው ከብሉ ክጽውዑ’ውን መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም ኣለው።

ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋዊ ብወገኖም ኩሎም ወገናት ንውሕስነት ሰላማዊያን ሰባት ብፍላይ ድማ ኣብ መዳጎኒ ማእከላት ዝርከቡ ስደተኛታት ከውሕሱ ብምጽዋዕ ኣብቲ ናይ ሎሚ ሶሉስ መጥቓዕቲ ዝምልከት መርመራ ክካየድ ሓቲቶም ኣለው።

ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ታጁራ መዳጎኒ ማእከል ንዘለው ሰለስተ ስደተኛታት ኣዘራሪቡ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG