ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ ኣብ መዳጎኒ ማእከል ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት ክፍትሑ ጸዊዑ


ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ኣብ ሊቢያ ብዘስካሕክሕ ኩነታት ተኣሲሮም ዝነበሩ ብዓሰተታት ዝቑጸሩ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ዝርከቡዎም 163 ስደተኛታት ሃገራት ትሕቲ ስሃራ ኣፍሪቃ ናብ ኒጀር ከምዝተወስዱ ኣፍሊጡ።

ነቶም ስደተኛታት ዝፀዓነት ነፋሪት ሎሚ ዓርቢ ንጉሆ ኣብ ዋና ከተማ ኒጀር ኒያሚ ኣትያ’ላ።ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙናት ኣብ ዋና ከተማ ትሪፖሊ ኲናት ካብ ዝጎሃሀር ጀሚሩ እዚ ፈላማይ በረራ እዩ።እቶም ስድተኛታት እቲ ግጭት ኣብዝካየደሉ ከባቢ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ምንባሮምን ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ’ሎ።

ወሃቢ ቃል’ቲ ትካል ባባር ባሎች ትካሎም ነዚኦም ሓዊሱ ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ንልዕሊ 300 ካልኦት ስደተኛታት ክፍትሑ ከምዝገበረ ገሊፆም።ኣብ ካልኦት መዳጎኒታት ኣስታት 3,000 ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ከምዝርከቡ እውን ወሲኾም ገሊፆም።እቶም ስደተኛታት ካብ ኤርትራ፣ማሊ፣ናይጀሪያ፣ሱዳንን ሶማልን ዝኣመሰላ ሃገራት መቕፃዕትን ህውከትን ሃዲሞም ዝመፁ እዮም ኢሎም።

“እቲ ውግእ ናብዞም ማእኸላት ማእሰርቲ ብዝቐረበ ቁፅሪ እቲ ስግኣት ኩነታት ናይዞም ስደተኛታት እዚኦም ናይ ሞትን ህይወትን ጉዳይ እዩ።ኣብዞም መዳጎኒ ማእከላት ዝርከቡ ተፈቲሖም ናብ ውሑስ ቦታ ክኸዱ ምግባር ኣገዳሲ ዝኸውን ዘሎ እውን በዚ ምኽንያት እዩ።”

ትካል ጥዕና ዓለም ንትሪፖሊ ንምቁፅፃር ቅድሚ ክልተ ሰሙናት ግጭት ካብ ዝውላዕ ልዕሊ 200 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሓቢሩ።

ካብ ሕዳር 2017 ጀሚሩ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ንኣስታት 2,800 ሰባት ካብ ሊቢያንናብ ኒጀር ኣግዒዙ’ሎ።ካብዚኦም ፍርቆም መዕቖቢ ዝረኽቡ ክኾኑ ከለው እቶም ዝተረፉ ግን ዝቕበሎም ሃገር ይጽበዩ ምህላዎም ሓቢሩ’ሎ።

XS
SM
MD
LG