ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ ኣብ ልዕሊ ደቡብ ሱዳን ዝጸንሓ እገዳ ክሳብ ፍርቂ ወርሒ ሓምለ ኣናዊሕዎ


ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ ልዕሊ ደቡብ ሱዳን ዝጸንሓ እገዳ ንተወሳኺ 45 መዓልታት ክናዋሕ ወሲኑ።

እቲ ውሳነ ክሓልፍ ዘድልዮ 9 ድምጺ ደገፍን 5 ድምጺ ተዓቕቦ ድሕሪ ምርካቡ እዩ።

"ሕቡራት ሃገራት ትዕግስቲ ተወዲኡ እዩ እዚ ዘይተፈልጠ ኩነታት ቅቡል ኣይኮነን ንህዝቢ ደቡብ ሱዳን ዝሓሸ ኩነታት ንጠልበሉ ጊዜ ሓሊፉ እዩ" ክብላ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ሕ/ሃ ኒኪ ሃሊ ገሊጸን።

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ 6 ሰበ ስልጣን ደቡብ ሱዳን ዘሕለፎ ናይ መገሻን ናይ ገንዘብ እገዳ ውጽኢት ተኹሲ ደው ምባል ብምርኣይ ድሕሪ 30 መዓልታት ውሳነኡ ከሕልፍ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ምክትል ዳይሬክተር ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ሰብኣዊ መሰላት አክሻያ ኩመር ምድንጓይ እገዳ መገሻ ሰበ ስልጣን "ባዶ መፈራርሂ" ክመስል ይክእል'ዩ "እንተኾነ ነቶም ተሓተቲ ግን መጠንቀቕታ'ዩ" ድሕሪ ምባል አዛዚ ሰራዊት ፖል ማሎንግን ማይክል ማኩየ ከምኡ'ውን ሚንስትር ሓበሬታ'ታ ሃገር እዚ እገዳ ክምልከቶም ይክእል'ዩ ዝተባህሉ ምዃኖም ትገልጽ።

ወኪል ደቡብ ሱዳን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር አኩየ ቦኒ ግን ሃገሮም ናብ መስርሕ ሰላም ትስጉም ከምዘላ ብምግላጽ ተወሳኺ እገደ ነቶም ሽዱሽተ ሰበ ስልጣን ግን አድላይ ኣይኮነን ኢሎም።


ምስ ቻይናን ሩስያን ድምጺ ተዓቕቦ ዝሃቡ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ተቀዳ አለሙ ብወገኖም "ዝተከፋፈለ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ነቲ መስርሕ ሰላም ሓጋዚ ኣይኮነን ነቶም ዝምልከቶም ወገናት'ውን ቅኑዕ መልእኽቲ ዘሕልፍ ኣይኮነን" ኢሎም።

ንሶም ብተወሳኺ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰበ ስልጣን ዘሕለፎ ተወሳኺ እገዳ ከቛርጾን ካብ መንግስታት ዝተዋጽኣ ሓይሊ ነቲ ስምምዕ ሰላም ክትግብር ጻዕርታት ከካይድ ጸዊዖም።

XS
SM
MD
LG