ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ ኣብዚ ዓመት ዝበዝሓ ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ ሰባት ምምዝጋቡ ሓቢሩ


ሰመራ ዓፋር ክልል ኢትዮጵያ - ፋይል
ሰመራ ዓፋር ክልል ኢትዮጵያ - ፋይል

ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ ዓመት ኣብ ዙርያ ዓለም ዝተመዛበሉ ኣህዛብ 89.3 ሚልየን ምዃኑን እዚ ድማ ዛጊት ካብ ዝተራእየ ዝለዓለ ምዃኑ ኣፍሊጡ። ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ኣብ ጸብጻቡ ካብ 2021 ዝነበረ ምምዝባል ሎሚ ዓመት ብ8% ምውሳኹ ይገልጽ።

እቲ ቁጽሪ ዝያዳ ክውስኽ ዝኸኣለ ድሕሪ ወራር ሩስያ ንዩክሬን ምዃኑ`ውን ኮሚሽነር እቲ ትካል ፍሊፖ ግራንዲ ጠቒሱ`ሎ። ኣብ ዩክሬን ጥራሕ ካብ 12 ክሳብ 14 ሚልየን ዝበጽሑ ካብ መነባብርኦም ተፈናቒሎም ክብሉ ፊሊፖ ግራንዲ ይገልጹ።

ዓለም ኣብ ዩክሬን ኣተኩርሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ቅድሚ ዩክሬንን ድሕሪ ዩክሬንን ኣብ ልዕሊ ኣህዛብ ዝወርድ ዘሎ ኣደራዕ`ውን መንግስታት ከስተብህልሉ ይግባእ ዝበለ ፊሊፖ ግራንዲ ንኢትዮጵያ: ኣፍጋኒስታን: ሶርያ: ደቡብ ሱዳን ከምኡ ፍልስጢማውያን ስደተኛታት ከም ኣብነት ጠቒሱ።

ንስደተኛታት ኣብ ምቕባል ድማ ቱርኪ ቀዳመይቲ ምህላዋ፡ ድሕሪኣ ድማ ኮሎምቢያ:ኡጋንዳ: ፓኪስታን: ጀርመን ከምዝስዕባ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።

ኣመሪካ ድማ ብዳግመ-ሰፈራ ሕጂ `ውን ቀዳመይቲ ኮይና ምቕጻላ ኣብቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ስደተኛታት ጸብጻብ ተጠቒሱ`ሎ።

XS
SM
MD
LG