ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ ኣስታት 120 ኢትዮጵያዊያን ዓቐብቲ ሰላም ኣብ ሱዳን ዑቕባ ምሕታቶም ሓቢሩ


ንክልል ትግራይ ሓዊሱ ካብ ዝተፈላለዩ ክልላት ኢትዮጵያ ዝተዋፅኡ ኣብ ምኽባር ሰላም ተዋፊሮም ዝፀንሑ 120 አባላት ዓቐብቲ ሰላም ኣብ ሃገሮም ይፍፀም ዘሎ ዓሌታዊ ጎንፅታት ብምቅዋም ኣብ ሱዳን ዑቅባ ምሕታቶም ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ ።

እቲ ልኡኽ ብሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ዝቆመ ዓቓቢ ሰላም (UNAMID) ኣብ ዳርፉር ተልእኽኡ ከተግብር ዝፀንሐን ኣብ ታሕሳስ 31,2020 ተልእኽኡ ዛዚሙ ናብ ሃገሩ ክምለስ ዝነበሮን እዩ።

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ወሃቢ ቃል ዓቓቢ ሰላም ብኢሜል ንኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ከምዝ ሓበርዎ እዞም 120 ዝኾኑ ወተሃደራት ቅድም ክብል ልኡኻት ጥምረት ኣኽበርቲ ሰላም ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃ ንዳርፉር ኮይኖም ከገልግሉ ፀኒሖም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝነበሩ ምዃኖም ሓቢሩ።

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት /UNHCR/ እቶም ተልእኽኦም ዝዛዘሙ ወተሃደራት ኣብ ሱዳን ዑቅባ ክወሃቦም ምሕታቶም ኣረጋጊፆም።ንድሕነቶም ክበሃል ግን ብንፁር ኣብዘይተገልፀ ቦታ ኮይኖም ምዕባለ ጉዳዮም ክከታተሉ እዮም ኢሉ። እቶም ዑቅባ ዝሓተቱ ሓይልታት ዓቐብቲ ሰላም ኩሎም ተወለድቲ ትግራይ ንምዃኖም ግን ዝበሎ ነገር የለን።

እቲ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ፌደራል መንግስትን ነቲ ኽልል ከመሓድር ዝፀንሐ ሕዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ይካየድ ዘሎ ኲናት ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶም ከባቢ 60 ሽሕ ድማ መነባብርኦም ገዲፎም ናብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ክስደዱ ገይሩ ።

ሽልማት ኖቤል 2019 ዝወሰዱ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ዝመርሕዋ ሃገር ንክልላት ኣምሓራ፣ኦሮምያ ፣ ቤንሻንጉል ጉምዝን ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ከባብታት እታ ሃገር'ውን ብሄር መሰረት ብዝገበረ ጎንፅታት ትሳቀ ኣላ ።

ብሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ዝቆመ ዓቓቢ ሰላም(UNAMID) ካብ 2007 ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ'ዩ ኣብ ዳርፉር ዝተዋፈረ ኮይኑ: ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ድማ ከባቢ 8000 ዝፅግዑ ዝተዓጥቁን ሲቪል ሰራሕተኛታትን ነናብ ገዘኦም ከፋንው ጀሚሩ ።ውጥን እቲ ልኡኽ ኣብ ውሽጢ ሽድሽተ ኣዋርሕ ሙሉእ ብሙሉእ ክዛዝም እዩ።

ዳርፉር ዓብላሊ ዓረባዊ መንግስቲ ዝመሓደር ዝነበረ ምምሕዳር በሽር ብምቅዋም ተፃብኦታት ዝገብሩ ዓመፅቲ ፅኑዕ ጎንፂ ዝካየደሉ ዝነበረ ከባቢ እዩ።

በቲ ጎንፂ ከባቢ 300 ሽሕ ህዝቢ ክመውት ከሎ 2.5 ሚልየን ድማ ምዝንባሉ ይፍለጥ ።

XS
SM
MD
LG