ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ ንኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝከታተላ ራፖርተር ናይ መዝነት ጊዜ ክናዋሕ ወሲኑ


ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ንኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝከታተላ ፍልይቲ ራፖርተር ናይ መዝነት ጊዜ ንሓደ ዓመት ክናዋሕ ትማሊ ሓሙስ ወሲኑ።

ካብዚ በተወሳኺ ቤት ፅሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ኣብ መጋቢት 2020 ብቃል ከቕርብ ይፅውዕ።

እቲ ውሳነ ብደገፍ 21 ሃገራት፣13 ተቓውሞን 13 ድምፀ ተዓቅቦን ሓሊፉ’ሎ።ናይ መዝነት ጊዜ ክናዋሕ ድምፃ ዝሃበት ኣፍሪቃዊት ሃገር የላን።ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪቃ ድምፀን ዓቂበን ኤርትራ ሓዊሱ ድማ ኣርባዕተ ሃገራት ነቲ ምንዋሕ ተቓዊመንኦ ኣለዋ።

XS
SM
MD
LG