ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ ቫይረስ ኮሮና ንኩነታት የመን ዘጋድድ'ዩ ክብል የጠንቕቅ


​ሕቡራት ሃገራት ኮቪድ-19 ኣብ ልዕሊ ሚልዮናት ህዝቢ የመን ሓደገኛ ሳዕቤን ክህልዎ ከምዝኽእልን ነቲ ዘሎ ሕማቕ ሰብኣዊ ኩነታት ከግድዶ ከምዝኽእልን የጠንቅቕ ኣሎ። ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ የመን ቫይረስኮሮና ዝተረኸቦም 184 ክኾኑ ኸለዉ- 30 ሞት ተመዝጊቡ`ሎ።

ነቲ ኩነታት ዝተኸታተሉ ምሁራት ተላገብቲ ሕማማትኣብ የመን ቫይረስ ኮሮና ብቕልጡፍ ናይ ምልባዕ ተኽእሎ ኣለዎ ይብሉ ። ኣስዒቦም ካብ ብዙሓት ሃገራት ብዝኸፍአ ሳዕቤን ክህልዎ ከምዝኽእል የሰምዑ።ዝያዳ ዘስግኦም ድማ ኮሚኒታዊ ምትሕልላፍ`ዩ።

ወሃቢ ቓል ቤት-ጽሕፈት ሰብኣዊ ምውህሃድ ሕቡራት ሃገራት ጀንስ ላርኪ ንድምጺ ኣሜሪካ ክገልጽ ከሎ፥ ሰራሕተኛታት ረድኤት ንዝሓመሙ ንምሕጋዝ ክገብርዎ ዝኽእሉ ዓቕሚ ድሩት`ዩ ይብል። ሕጽረታት መከላኸሊ ቫይረስ ከምኡ`ውን መሕጸቢ ማይን ካልእን ከምዘሎ`ውን ይገልጽ።

" ካብ ብዙሓት ከም እንሰምዖ፥ የመን ኣብ ጸድፊ `ያ ዘላ -ኩነታታ ዘሰንብድ`ዩ” ዝበለ ወሃቢ ቃል ኦቻ፥ ስርዓት ጥዕና የመን ብኣጠቓላሊ ተኾርምሹ`ዩ ይብል።

ነቲ ጸገም ዝያዳ ኣጋዲድዎ ዘሎ ድማ ኣብታ ሃገር ዝንቀሳቐሳ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካላት ገንዘብ ባዶ ስለ ዝተረፋ ጥራሕ ዘይኮነ 30 ፕሮግራማት ኣብ ናይ ምዕጻው ሓደጋ`የን ዘለዋ ይብል።

ኣተሓሒዙ ዓለም ነዚ እናረኣየ ትም ክብል የብሉን- ኣንጻር ኮቪድ19 ኣድማዒ ቃልሲ እንተዘይተኻይዱ፥ የመን ዓለም ክርእዮ ዘይደሊ ነገር ከጋጥማ ይኽእል`ዩ ክብል- ጠመተ ክግበር ይጽውዕ።

ዝሓለፈ ዓመት ንሰብኣዊ ረድኤት የመን ልዕሊ 4 ቢልየን ዶላር ከምዝነበረ ዝገልጽ ኦቻ፥ ሎሚ ዓመት 677 ሚልየን ጥራይ ኢና ረኺብና ዘለና ይብል።

ዝመጽእ ሰነ 2፡ ስዑድያን ሕቡራት ሃገራትን ንየመን ህይወት ዘድሕን ዓቕሚ ገንዘብ ንምትእኽኻብናይ ርሕቐት ድለባ ገንዘብ ፕሮግራም ኣዳልየን ኣለዋ።

XS
SM
MD
LG