ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ ብኩነታት እቶም ካብ ግብጺ ዝተጠረዙ ኤርትራዊያን ከምዘሻቀሎ ገሊጹ


ግብጺ ንዓለምለኸ ሕጊ ጥሒሳ፣ ንሸውዓተ ሓተቲ ዕቁባ ኤርትራዊያን ምጥራዛ፣ ከምዘሻቀሎም ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኪኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ገሊጾም። ናይ’ቶም ኤርትራዊያን ካብ ግብጺ ምጥራዝ፣ ናብ ኣስገዳድ ምስዋር፣ መግረፍቲን ሕማቅ ኣተሓሕዛን ከቃልዖም ከምዝኽእል’ውን ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ኪኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ሕቡራት ሃገራት ካብ ኤርትራ ዝሃደሙን ተገዲዶም ዝተመለሱን ሰባት "ከሓድቲ’ ተባሂሎም ኤርትራ ኣብ ዝኣትውሉ ጊዜ ጀሚሩ ይእሰሩ፣ ይሕተቱ፣ ይግረፉ፣ ካብኡ ዝሰገረ ድማ ኣብ ዝቅጽዕሉ ስፍራ ይታሓዙን ይስወሩን" ይብሉ ።

እቶም ካብ ግብጺ ዝተጠረዙ ሸውዓተ ኤርትራዊያን ምስ ካልኦት 18 ኣባላት ሓንቲ ስድራ ቤት እዮም ነይሮም።ካብ ሱዳን ናብ ግብጺ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ሰጊሮም። ክሳብ ሎሚ ተኣሲሮም እዮም ጸኒሖም። ሕጋዊ ምኽሪ ንከይረኽቡ ተኸልኪሎም፣ ዕቁባ ከይሓቱ ተገይሩ፣ ምስ ሕ/ሃ’ውን ኣይተራኸቡን።

እቶም ኪኢላታት ሰብኣዊ መሰላት "ግብጺ ኣብ ክንዲ ሓለዋ ትገብረሎም፣ ንክልተ ዓመት ሙሉእ ምእሳራን ብዘይድልየቶም ናብ ኤርትራ ኣገዲዳ ምምላሳን፣ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላትን እዩ፣ ናብ ኤርትራ ምስተመለሱ ድማ ንሓደጋ ክቓልዑ ይኽእሉ’ዮም" ኢሎም።

ካልኦት ሸሞንተ ኣባላት ስድራ ቤት’ውን ቅድሚ ኣስታት ሰለስተ ሰሙን ካብ ግብጺ ናብ ኤርትራ ከምዝተጠረዙ እቲ ዜና ይሕብር። እዞም ሰባት’ዚኦም ኣብ ኤርትራ ምስ ኣተው ብድሕሪኡ ኣይተራኣዩን። ኣብ ሕቡእ ቤት ማእሰርቲ ተታሒዞም ከምዝኽእሉ እዩ ዝእመን።

ኪኢላታት ሕ/ሃ "ሰበ ስልጣን ኤርትራ፣ ብዛዕባ ሃለዋት’ቶም ካብ ግብጺ ዝተጠረዙ ሓበሬታ ንክህቡን ብቅልጡፍ ንክፈትሑዎምን ንጽውዕ" ይብሉ ።

እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ፣ ሰለስተ ኣባላት’ታ ስድራ ቤት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ግብጺ ተሪፎም ኣለው። ተገዲዶም ንኤርትራ ክጥረዙ ይኽእሉ’ዮም ዝብል ስግኣት’ውን ኣሎ። እታ ቤተ ሰብ ካብ ኤርትራ ዝሃደመት "ንቆልዑ ሓዊሱ መናእሰይ ኣባላት’ታ ስድራ፣ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክምልመሉ እዮም" ካብ ዝብል ስግኣት እዩ። ኣብ ኤርትራ ዝትግበር ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ንኣስገዳድ ስራሕ፣ መግረፍቲ፣ ዘይሰብኣዊን ሕማቅ ኣተሓሕዛን ዝሓወሰ ከበድቲ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ጠንቂ ከምዝኾነ’ዩ ዝግለጸሉ።

መግለጺ ሕ/ሃ እቶም ዝተጠረዙ ኤርትራዊያን ኣብ ዓዶም ምስ ኣተው መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት እንተተፈጺምዎም፣ ግብጺ ተሓባባሪት ገበን ኮይና ኣላ ማለት እዩ ይብል ።

ብመሰረት’ዚ፣ ግብጺ ነቶም ተሪፎም ዘለው ሰለስተ ሓተቲ ዕቁባ ኤርትራዊያን ንዓዶም ኣገዲዳ ከይትጥርዞም፣ ክወርዶም ንዝኽእል ሓደጋ ከይገምገመት ንኤርትራዊያን ትጥርዘሉ ፖሊሲ ደጊማ ክትምርምር እቶም ኪኢላታት ጸዊዖም። ኤርትራ ብወገና ተገዲዶም ንዝተጠረዙ ኤርትራዊያን መሰሎም ንክትሕልወሎም፣ ንዝኣሰረቶም ተጠሪዞም ዝተመለሱ ብምልኦም ንክትፈትሖም መጸዋዕታ ቀሪቡላ ኣሎ። እቶም ኪኢላታት፣ ናብ መንግስቲ ግብጺ ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ፣ ብኩነታት ተገዲዶም ዝተመለሱ ኤርትራዊያን ዝሓደሮም ሻቅሎት ገሊጾም ኣለው።

XS
SM
MD
LG