ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ናብ ክልል ትግራይ ረድኤት ጽዒነን ዝኣተዋ መካይን ከምዘይተመልሳ ሓቢሩ


ፋይል
ፋይል

ሕቡራት ሃገራት ብኣማኢት ዝቑጸራ ናብ ክልል ትግራይ ዝኣተዋ ረድኤት ዝጸዓና መካይን ከምዘይተመለሳን እዚ ድማ ሰብኣዊ ረድኤት ምቕራብን ክብ ንምባልን ቀንዲ ዕንቅፋት ከምዝኾነን ገሊፁ።

ወሃቢ ቃል ፕሮግራም መግቢ ዓለም ገማ ስነውደን ካብ 12 ሓምለ 2021 ጀሚሩ ኮንትራት ዝነበረን ናይ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዘይኮና 445 ናይ ፅዕነት መካይን ናብ ክልል ትግራይ እንተኣተዋ'ውን 38 ጥራሕ ምምላሰን ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ተዛሪቦም።

"ኣብዚ ሕጂ እዋን እዚ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ክልል ትግራይ ንምእታው ቀንዲ ዕንቅፋት እዩ። ብሰንኪ ሕፅረት ናይ ፅዕነት መካይን ብዝሒ ዘለዎ ኮንቨይ ክነተኣኻኽብ ይክኣልናን’’ኢሎም።

ንሶም ወሲኾም እተን መካይን ክምለሳ ምስ ኣጎዓዝትን ከባቢያዊ ሰበስልጣን ክልል ትግራይን ምስራሕ ክንቕፅል ኢና እውን ኢሎም።

ወሃቢ ቃል ፕሮግራም መግቢ ዓለም ገማ ስነውደን እዘን መካይን ኣበይ ከምዘለዋን ንምንታይ ጥቕሚ ይውዕላ ከምዘለዋን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ሓበሬታ የብሉን ኢሎም ።

ሰበስልጣን መንግስትን ተዋጋእት ክልል ትግራይን ረድኤት ናብ ትግራይ ከይኣትው ብምዕንቃፍ ነንሕድሕዶ ይካሰሱ።

ወሃቢ ቃል መንግስቲ ‘'ህወሓት ንናይ ባዕሉ ሎጂስቲክስ ሒዙወን ዝብል ጥርጣረ’’ ብምጥቓስ ትማሊ ሓሙስ ብትዊተር መልእኽቲ ዘርጊሑ።ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዘወርቲ መካይን ናብ ክልል ትግራይ ከይኣትው ዘጋጥሞም ዕንቅፋት ብምጥቓስ ምስ ሰበስልጣን ክልል ትግራይ ዘራኽብ የብሉን ኢሎም።

መራሕቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት መካይን ብዛዕባ ሕፀረት ነዳዲ፣ ናይ ፀጥታ ስግኣት፣ ኣብ መፈተሺ ኑቑጣ ዘሎ ምክልባት፣ ኣብ ክልል ዓፋር ንኣዋርሕ ኮፍ ምባልን ዝብሉ መረረ ኣስሚዖም እዮም ኢሎም ።

ሽሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ኣብ ክልል ትግራይ በዓል ስልጣን ሰብኣዊ ረድኤት መብዛሕቲኦም ዘወርቲ ተጋሩ ምዃኖምን ናብቲ ክልል ክኣትው ከለው ኣብ መፈተሺ ኑቕጣታት መንነት መሰረት ዝገበረ ምክልባት የጋጥሞም እዩ ኢሉ።

XS
SM
MD
LG