ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ ብሰንኪ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ምፍንቓል ሰባት ቀጺሉ ከምዘሎ ሓቢሩ


ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ስቲፈን ዱጃሪክ
ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ስቲፈን ዱጃሪክ

ወሃቢ ቓል ሕቡራት ሃገራት ስተፈን ዱጃሪክ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ብዝቐጸለ ኩናት ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት ምፍንቓሎም ቀጺሎም ኣለዉ ኢሉ ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ብዙሓት ሰባት ካብ ሸዋ ሮቢት፡ ወልድያ: ላሊበላ፡ ካብ ክልል ዓፋር ፡ ከምኡ ካብ ምዕራባዊ ክልል ትግራይ ድማ ናብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ምፍንቓሎም እቲ ወሃቢ ቓል ኣፍሊጡ`ሎ።

ብኻልእ ወገን፡ ካብ 1 ታሕሳስ ክሳብ 7 ታሕሳስ፡ 44 ዓበይቲ መካይን መግብን ሃናጺ መግብን ማይን ቀረባት ጽርየትን ሒዘን ብሸነኽ ዓፋር ናብ መቐለ ምእታወን ሓቢሩ`ሎ። እቲ ወሃቢ ቃል እዚ እኹል ከምዘይኮነ'ውን ሓቢሩ'ሎ።

XS
SM
MD
LG