ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ ብሚልዮናት ዶላር ዝቑጸር ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ኢትዮጵያ ምልኣኹ ሓቢሩ


ሕቡራት ሃገራት ኣብ ክልል ትግራይ ብዝተፈጥረ ግጭት ንዝተሃሰዩ ንምሕጋዝ ዝውዕል 35.6 ሚሊዮን ዶላር ከምዘተኣኻኸበ ትማሊ ሓሙስ ኣፍሊጡ።

ኣስታት 50,000 ሰባት ናብ ሱዳን ሃዲሞም ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ድማ ኣብ ውሽጢ ተመዛቢሎም ይርከቡ።

ገሊኡ ክፋል እቲ ገንዘብ ኣብ ሱዳን ንዝርከቡ ስደተኛታት ንምሕጋዝ ከምዝውዕልን ዝተረፈ ድማ ኣብ ክልል ትግራይ ናብ ዝርከቡ ከምዝስደድን ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG