ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ: ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሶማልያዊያን ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘልድዮም ገሊጹ


ፋይል
ፋይል

ሕቡራት ሃገራት ፍርቂ ህዝቢ ሶማል ኣብዚ ዝመጽእ ዓመት 2022፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘደልዮ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ነቶም ዝያዳ ብደርቂ ዝተጠቕዑ 5.5 ሚልየን ዝኸውን 1.5 ቢልየን ድማ ይምሕጸን ኣሎ።

ናይ 10'ታት ዓመታት ግጭት፡ ተደጋጋሚ ደርቂ ፡ተመሓላላፊ ሕማማት፡ ከምኡ`ውን ቁጠባዊ ጽልዋ ኮቪድ19፡ንሰብን ጥሪትን ሶማል ከቢድ ጸገም ኣውሪዱሉ ከምዘሎ ይግለጽ። ገሊኡ ከባብታት ንሰለስተ ዓመት ዝናብ ስለዝሰኣነ ድማ ብዙሓት ኣብ ገምገም ዓጸቦ ከምዘለዉ፡ ብሓፈሽኡ ግን 80% ሶማል ብደርቂ ከምዝተሓስየ ኣተሓባባሪ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ሶማል ኣዳም ዓብደሞላ ካብ ሞቓዲሾ ንድምጺ ኣመሪካ ተዛሪቡ`ሎ፡፡

እዚ ኣተሓባባሪ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት"ናብ ገጠራት ኣብ ዝወጻኹሉ ግዜ ብዙሓት ዝሞታ ጥሪት ርእየ። ኣብኡ ዝረኸብክዋ ሓንቲ ሰበይቲ፡ 200 ኣጣላ ኩለን ከምዝሞትኣ ገሊጻትለይ። ከምኡ`ውን ኣግማላን ኣድጋን ሞይቶም። ኣብኡ ኣብቲ ገጠራት ዘዘራረብክዎም ዓበይቲ ሰባት፡ ካብ 70`ታት ወይ 80`ታት ንድሓር ፡ ከምዚ ዓይነት ሕሱም ደርቂ ርኢና ኣይንፈልጥን ኢሎምኒ" ኢሉ ።

ንሱ ኣተሓሒዙ ሶማል እኹል ጠመተ ከምዘይረኸበት ክገልጽ ከሎ ድማ ፡ብሰንኪ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ብፍላይ ትግራይን ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘሎ ቅልውላው፡ ንሶማል ዝውሃብ ትኹረት ከምዝጎደለ ይገልጽ።

ኣብ ቀረባ ዝወጸ ትንበያታት ከምዘመላኽቶ እንተኾይኑ፡ ኣብዚ ዝቕጽል ሽዱሽተ ኣዋርሕ ክሳብ 1.4 ሚልየን ሶማልያውያን ብሰንኪ ደርቂን ግጭትን ካብ መነባብርኦም ክፈናቐሉ ይኽእሉ`ዮም። ኣተሓባባሪ ረድኤት ዓብደልሞላ ብዛዕባ`ቲ ሓደጋ ንድምጺ ኣመሪካ ክገልጽ ከሎ፡ ኣብ 2022፡ 1.2 ሚልየን ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ ከቢድ ጉድለት ምግብና ከጋጥሞም ይኽእል`ዩ፡ ካብኦም ኣስታት 300 ሺሕ ህጻናት ድማ ንሞት ክቃልዑ ይኽእሉ`ዮም ኢሉ።

XS
SM
MD
LG