ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ ቁጽሪ ካብ መነባብርኦም ብዘይፍቓዶም ዝተመዛበሉ ኣብዚ እዋን ዓለምለኸ ለበዳ'ውን ምውሳኹ ኣፍሊጡ


ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሰንኪ ኵናት፣ህውከት፣ ስደትን መግሃስታት ሰብኣዊ መሰላትን ብዘይፍቓዶም ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ ክብረ ወሰን ብምስባር 82.4 ሚሊዮን ምብፅሑ ገሊፁ።እዚ ቁጽሪ ካብ 2019 ብልዕሊ ኣርባዕተ ሚእታዊት ወሲኹ ኣሎ።

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፀብፃብ ናይ 2020 ዓለምለኸ ቁጽሪ ተመዛበልቲ ምምዝባል ኣውፂኡ ኣሎ።

ካብቶም ልዕሊ 82 ሚሊዮን ብዘይፍቓዶም ዝተመዛበሉ 26.4 ሚሊዮን ንዓለምለኸ ዶባ ዝሰገሩ ስደተኛታት እዮም።

ብመሰረት ናይ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ወኪል ስደተኛታት ፊሊፖ ግራንዲ ብዝሒ ብዘይፍቓዶም ዝተመዛበሉ ሰባት ኣብቶም ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ብዕፅፊ ወሲኹ ኣሎ።ካብቶም ዝተመዛበሉ 42 ሚእታዊት ቆልዑ እዮም ኢሎም።

ኣብ ቡርኪናፋሶ፣ኒጀርን ማሊን ሓዊሱ ኣብ ሃገራት ማእኸላይ ሳሕል ብዝተላዕለ ህውከት ንልዕሊ 750,000 ሰባት ካብ መንበሪኦም ክሃድሙ ገይሩ ምስ በሉ ግራንዲ ኣስዒቦም "ካብኡ ቀጺሉ ካብ ምጥቃስ ዓዲ ዘይውዕል ኩነታት ኣብ ኢትዮጵያ እዩ።ቅልውላው ናይ ትግራይ እዩ። ርግጸኛታት ክንኸውን እንተዘይተኻእለ፣ ክሳብ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ውሽጣዊ ተመዛበልቲ ዝኾንሉ፣ ካብ 50 ክሳብ 60 ሽሕ ህዝቢ ናብ ሱዳን ዝተሰደደሉ ቅልውላው እዩ።"

ኮሚሽነር ግራንዲ ናይ 2021ምምዝባል ፅቡቕ ኣይመስልን ዘሎ፤ናብ መንበሪኦም ዝተመልሱ ስደተኛታት ድማ ኣዚዮም ውሑዳት እዮም ኢሎም።

XS
SM
MD
LG