ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ ስራሕ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ትግራይ ዕንቅፋታት የጓንፎ ከምዘሎ ይገልጽ


ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ቀጺሉ ዘሎ ውግእ፣ ንብዝሒ ረድኤት ዘድልዮም ሰባት ከምዘንሃሮ ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ስተፈን ዩሪክ ኣፍሊጡ። እቲ ኹናት፣ ንተኽእሎ ሰራሕተኛታት ረድኤት ከምዝጸለዎ’ውን ተሓቢሩ።

ኣብ ዙርያ ኣብዓላ ዝተካየደ ውግእ፣ ሰራሕተኛታትናረድኤት ናብ ትግራይ ንምእታው ኣጸጋሚ ከምዝገበሮ፣ ካብ 14 ሕዳርንደሓር ረድኤት ናብ ትግራይ ከምዘይኣተወ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር።

ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ነዳዲ ዝጻዓና መካይን ናብ ትግራይ ንከይኣትዋ ከምዝተከልከላ’ውን ስተፈን ዩሪክ ጠቂሱ።

ረድኤት ዘከፋፍሉ ትካላት ግብረ ሰናይ ዝኣክል ነዳዲ ይረኽቡ የለውን፣ ተወሳኺ ነዳዲ እተዘይረኺቦም ስራሕቶም ኣብ ሓጺር እዋን ጠጠው ንከብልዎ ከምዝግደዱ ኣጠንቂቆም አለው።

እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ካብ መጀመርታ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ዝካየድ ደብዳብ ነፈርቲ ወሲኹ ከምዘሎ፣ ኣብ ልዕሊ ሲቪላት ዘውርዶ ጉድኣት ከምዝናሃረ’ውን ሕ/ሃ ገሊጹ።

XS
SM
MD
LG