ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ ሰብኣዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ሕጂ'ውን ኣተሓሳሳቢ ምዃኑ ገሊጹ


ፋይል
ፋይል

ሕቡራት ሃገራት መሻርክቱ ዝኾኑ ትካላት ሰብኣዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ሕጂ'ውን ኣተሓሳሳቢ ምዃኑ ምሕባሮም ገሊጹ።

ወሃቢ ቃል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ስቴፈን ጁዳሪክ ኣብቲ ኲናት ዝካየደሉ ዘሎ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ምዝንባል ሰባት ከምዘሎ ዘይተረጋገጹ ሪፖርታት ከምዝበጽሖም ገሊጾም።

ኣብ ደባርቅ:ደሴን:ወልድያ ካብ6:00 ክሳብ 7:00 ዝጸንሕ ሰዓታት እቶ እቶ ምእዋጁን እዚ ድማ ንምንቅስቃስ ሰባት:ተበጻሕነት ናይ ህጹጽ እዋን ኣገልግሎታትን ናይ ንግዲ ኣገልግሎትን ዝጸውል'ዩ ድሕሪ ምባል ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ንትግራይ ካብ ነሓሰ 24 ጀሚሩ ምቁራጹ ናብ ክልል ትግራይ ዝካየዱ ዝነበሩ በረራታት ሕቡራት ሃገራት ድማ ካብ ነሓሰ 25 ጀሚሩ ምቁራጹ እቶም ወሃቢ ቃል ገሊጾም።

ኣብ ውሽጢ ትግራይ፣ መሻርኽቲ ሕ/ሃ ዝኾና ትካላት ረድኤት፣ ናብ ህዝቢ መግቢን ካልኦት ኣገደስቲ ሰብኣዊ ቀረባትን ምክፍፋል ከምዝጀመራ እቲ ወሃቢ ቃል ገሊጹ።

ንሶም ሕ/ሃ ምስ መሻርክቲ ብምዃን ጸጥታ ክሳብ ዘፍቐዶ ሰብኣዊ ሓገዝ ምብጻሕ ከምዝቕጽሉ ሓቢሮም።ብመሰረት ዓለምለኸ ሕጊ ኩሎም ወገናት ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ክብጻሕ ከፍቕዱ'ውን ጸዊዖም።

XS
SM
MD
LG