ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ ሰብኣዊ መሰላት ዓለም ንምምሕያሽ ናይ 375.5 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ሓቲቱ


ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽን ንሰብኣዊ መሰላት መባእታዊ መሰላት ደቂ ሰባት ኣብ ዝብህጎገሉን ዓብይ ታህዋጽ ኣብ ዝረአየሉ ሕጂ እዋን ኣብ ሓያለ ሃገራት ሰብአዊ መሰላት ንኽክበር ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ንምድጋፍ ናይ 375.5 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ምሕጽንታ ኣቕሪቡ።

ሰብኣዊ መሰላት ምስ ሰላምን ምርግጋእን ሰለስተ ዓንድታት ሕቡራት ሃገራት እዮም። ከምኡ ኾይኑ እቲ ንዓለማዊ ኩነታት ሰ ኣዊ መሰላት ክከታተል ዝተመስረት ቤት ጽሕፈት ጽንኩር ሕጽረት ገንዘብ ኣለዎ።

እቲ ንዝሓለፈ ዓመት ዝቐረበ 321.5 ሚልዮን ምሕንጽታ ፍርቁ’ዩ ተረኺቡ። እቲ ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ ሰላት ኣብዚ ዓመት’ዚ እቲ ዝሓተቶ ደገፍ ካብ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ክረክብ ተስፋ ጌሩ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ሕ/ሃ ሰብኣዊ መሰላት ዓለም ንምምሕያሽ ናይ 375.5 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ሓቲቱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:12 0:00


XS
SM
MD
LG