ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ ሰላማዊያን ሰባት ካብ ከተማ ማሪፖል ምውጻእ ቀጺሉ ከምዘሎ ሓቢሩ


ምውጻእ ሰላማዊያን ሰባት ካብ ከተማ ማሪፖል
ምውጻእ ሰላማዊያን ሰባት ካብ ከተማ ማሪፖል

ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ካብ ደቡባዊ ከተማ ዩክሬን ማሪፖልን ካብ ፋብሪካ ሓፂን ኣዞቭስታልን ሳልሳይ ስርሒት ምውፃእ ስቪላት ይካየድ ከምዘሎ ትማሊ ሓሙስ ገሊፆም።

ኣብዚ ሰሙን 101 ስቪላት ካብ ኣዞቭስታል ካልኦት ኣስታት 400 ድማ ካብ ጥቕኡዝርከብ ቦታታት ብሓባራዊ ስርሒት ሕቡራት ሃገራትን ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀልን ብውሑስ ኣገባብ ወፂኦም ኣለው።

ንሶም ብዛዕባ እቲ ምስጥራዊ ተልእኾ ዝርዝር ከይሃቡ ንሰባት ካብዞም ግሃነም ቦታታት ንምውፃእ ኩሉ ንኽእሎ ምስራሕ ክቕጽል ኣለዎ ኢሎም።

እቶም ዋና ፀሓፊ 26 ሚያዚያ ምስ ናይ ሩሲያ ፕሬዝዳንት ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ሞስኮ ተራኺቦም።28 ሚያዚያ ድማ ኣብ ኪይቭ ምስ ናይ ዩክሬን ፕሬዝዳንት ቮሎድይመር ዘለንስኪ ተራኺቦም:ተዘራሪቦም።

XS
SM
MD
LG