ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ ምንቅስቃስ ሰራሕተኛታት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሕጂ'ውን ኣጸጋሚ ከምዝኾነ ሓቢሩ


ወሃቢ ቃል ሕ/ሃ
ወሃቢ ቃል ሕ/ሃ

ሰሜናዊ ኢትዮጵያ፣ ንምንቅስቃስ ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት፣ ሎሚ’ውን ኣጸጋሚ ኮይኑ ከምዘሎ ወሃቢ ቃል ሕ/ሃ ትማሊ ሓሙስ ገሊጹ። እቲ መግለጺ ወሲኹ ኣብ ክልል ዓፋር፣ ብሰንኪ ይቅጽል ዘሎ ውግእ፣ ሰባት ይፈናቀሉ ኣለው ይብል።

ኣብ ዝሓለፈ ቅነ፣ውግእ ኣብ ዝካየደሉ ከባቢ ዘለው 18 ሽሕ ሰባት ረድኤት እኽሊ ከምዝረኸቡ፣ ኣገልግሎት ሕክምና፣ ማይ ብቦጥ ከምዝቀረበሎምን ናይ ገዛ ኣቁሑት ከይተረፈ ከምዝተዓደሉ ሕ/ሃ ገሊጹ።

እቲ ወሃብ ቃል ኣብ ክልል ትግራይ ግና፣ ብክልል ዓፋር ኣቢሉ ረድኤት እኽሊን ነዳዲን ምሕላፍ ከምዘይተኻኣለ፣ ካብ 17 ክሳብ 23 ለካቲት አብ ዝነበረ ጊዜ ምዕዳል ረድኤት ከምዘይተፈጸመ፣ ቀረባትን ነዳዲን ዳርጋ ይጽንቀቅ ኣሎ ይብል።

ብተወሳኺ ዝተወሰነ ሓገዝ ቀረባት ብነፋሪት ምግዓዙ፣ ኣብ’ታ ዝሓለፈ ቅነ፣ ብሕልፊ ንቆልዑ ዘገልግል ዝተማለአ መግቢ ከምዝተላኣኸ ጠቂሱ'ሎ።

ብመሰረት ሕቡራት ሃገራት ኣብ’ዚ ዳሕረዋይ ዙር ምሃብ ረድኤት ኣስታት 7 ሚልዮን ህዝቢ ሰሜን ኢትዮጵያ ተረባሕቲ ኮይኖም እዮም።

XS
SM
MD
LG