ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ ምስ ክሊማ ዝተሓሓዝ ደርቂ ንምዕባለ የስግእ'ዩ ክብል የጠንቅቕ


ሕቡራት ሃገራት ለውጢ ኩነታት ኣየር፣ ኣድማሳዊ ኩነተ ደርቂ ኣበጊሱ፣ ስግኣት ሕርሻዊ ፍርያት፣ ቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይን ካልኦት ኣገደስቲ ሰብኣዊ ምዕባለታትን ክኸውን ከምዝኽእል ኣጠንቂቁ ።

ኪኢላታት ሕቡራት ሃገራት፣ ደርቂ ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ ካብ ዘጥፈኦ እቲ ዝገደደ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ኣርባዓ ዓመታት ዘውረዶ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ በሊጹ ከምዝተራኣየ ኣረጋጊጽና ኣለና ይብሉ። ሕቡራት ሃገራት ወሲኹ ‘ ምስ ክሊማዊ ነገራት ዝተኣሳሰሩ ጸገማትን፣ ኣብ መላእ ዓለም እናገደዶ ይጋደዱ ኣለው’ ብምባል የጠንቅቕ።

ወኪል ዋና ጸሓፊ ንጉዳያት ምውጋድ ሓደጋ ማሚ ሚዚቶሪ "ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 100 ዓመታት፣ ብሰንኪ ለውጢ ኩነታት ኣየር 1.5 ቢልዮን ህዝቢ ተጎዲኡ’ሎ፣ ሕጽረት ማይ ዝመበገሲኡ ጸገም ንዝቅጽሉ ሒደት ዓመታት’ውን ከጋጥም እዩ" ኢለን።

ኣብዘን ዝቅጽላ 10 ዓመታት ኣስታት 700 ሚልዮን ህዝቢ ግዳይ ደርቂ ክኸውን ከምዝኽእል ድማ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ ኣሎ።

ህዝቢታት ምስ ለውጢ ኩነታት ኣየር ንርእሶም ንምስምማዕ ተዓዊቶም እዮም ዝብል እቲ ሪፖርት፣ ካብ ዙርያ ዓለም ብሕልፊ ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዞባታት ፈለጋት ኤፍራጠስን ጢግሮስን ካብ ዝተረኸቡ ተመክሮታት ትምህርቲ ከምዝተቀሰመ’ውን እቲ ዜና ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG