ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ ምምላስ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ናብ ክልል ትግራይ ከምዘሻቅሎ ገሊጹ


ሕቡራት ሃገራት ኤርትራዊያን ስደተኛታት፣ ብሰንኪ ውግእ ገዲፎምዎ ዝኸዱ መዓስከር ስደተኛታት ክልል ትግራይ ተገዲዶም ንክምለሱ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ከምዘሻቀሎ ገሊጹ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዝፈነዎ መግለጺ "ካብ መዓስከር ስደተኛታት ክልል ትግራይ ናብ አዲስ አበባ ዝሃደሙ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ይምለሶም ኣለዂ" ዝብል እዩ። ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፣ ኣማኢት ኣሻሓት ስደተኛታት ብኣውቶብስ ተሳፊሮም ንትግራይ ከምዝተወሰዱ ዝሕብር ሪፖርት ከምዝረኸበ ጠቂሱ ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ "ንተዋጋእቲ ህወሓት ስለዝሳዓርክዎም፣ ስደተኛታት ናብ’ቲ መዓስከር ንምምላስ ጸገም የብሉን" ይብል።

ኮምሽነር ኮምሽን ትካል ስደተኛታት ፍሊፖ ግራንዲ ብወገኖም "ትካላት ረድኤትን ሕቡራት ሃገራትን፣ ናብ’ቲ አስታት 96 ሽሕ ኤርትራዊያን ናብ ዝነብሩሎም መዓስከር ስደተኛታት ክአትው ከምዘይካኣሉ ብምጥቃስ፣ እቶም ዝተበታተኑ ስደተኛታት ናብ’ቶም መዓስከራት ንምምላስ ዝግበር ፈተነ ዘሻቅል ኮይኑ ኣሎ" ኢሎም ኣለው።

ትካላት ረድኤት ብወገነን "መጠን ቀረብ ኣብ’ቶም መዓስከራት ሕጽረት ኣሎ፣ ኣብ ገለ ከባቢታት ድማ ውግእ ቀጺሉ ስለዘሎ ኩነታት ኣሰካፊ ኮይኑ ኣሎ" ይብሉ። ሕ/ሃ "መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንሕቡራት ሃገራትን መሻርክቱን፣ ዘይተገደበ ምንቅስቃስ ክህብ እየ ኢሉ ቃል ኣትዩ ነይሩ። ምኽታም ውዕል ሓደ ስዳሮ ንቅድሚት እዩ፣ እንተኾነ፣ ሰብኣዊ ሓገዛት፣ ካብ መትከልን ዘይሻራዊነትን ብዝጸፈፈ መልክዕ ክፍጸም ኣለዎ" ይብል ።

ፍሊፖ ግራንዲ ወሲኾም "ከምዞም ዝተጠቀሱ ኣገባባት ኣዝዮም ኣገደስቲ እዮም። ምኽንያቱ፣ ሓገዝ ናብ ተቃላዕቲን ኣዝዩ ዘድልዮምን ሰባት ንምቅራብ ስለዘኽእል" ኢሎም።

መራሕቲ ህወሓት ኣንጻር ሰራዊት ኢትዮጵያ መሊሶም ይዋግኡ ከምዘለው ገሊጾም ኣለው። እንተኾነ ኣገልግሎት ርክባት ስለዝተቋረጸን መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ክልል ትግራይ ንምእታው ክግበር ንዝኽእል ፈተነታት ብጽኑዕ ስለዝቆጻጸሮን፣ ብክልቲኦም ሓይልታት ንዝዋሃብ ሓበሬታ፣ ንምርግጋጽ ኣይካኣልን።

ኣብ ውግእ ክልል ትግራይ፣ ኣሻሓት ሞይቶም፣ ልዕሊ ሚልዮን ሰባት ተፈናቂሎም፣ 45 ሽሕ ሰባት ድማ ናብ ሱዳን ተሰዲዶም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።


XS
SM
MD
LG