ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ መንግስታዊ ማሕለኻታትን ውግእን ኣብ ክልል ትግራይ ዕንቅፋት ኮይኑ ኣሎ ይብል 


ብሰንኪ ኣብ ክልል ትግራይ ቀጺሉ ዘሎ ውግእን ምምሕዳራዊ ማሕለኻታትን ሕቡራት ሃገራት ናብ ትግራይ ንምእታው ዝቀረቦ ሰብኣዊ ሓገዛት ክማሓየሽ ከምዘይካኣለ ተገሊጹ።

ኣብ ሙሉእ ክልል ትግራይ፣ መሰረታዊ ቀረባት መነባብሮን ገንዘብን ምርካብ ከምዘይካኣል ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ስቴፈን ያሪክ ገሊጹ ኣሎ።

ብዘይካ'ዚ፣ ሕቡራት ሃገራት ካብ ሕዳር ጀሚሩ ናብ ክልተ መዓስከራት ስደተኛታት ክኣቱ ከምዘይካኣለ፣ ጥምየት ይውስኽ ከምዘሎን ትካላት ጥዕና ሙሉእ ንሙሉእ ከምዝዓነውን ተሓቢሩ'ሎ።

80 ሚእታዊት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝነበረሉ ናይ ገጠር ከባቢታት ንምብጻሕ ከምዘይተካኣለ’ውን ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ጠቂሱ።

XS
SM
MD
LG