ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ ሓደ ሲሶ ካብ ትሑት ኣታዊ ዘለወን ሃገራት ዓለም ጥራሕ`የን ኣገልግሎት ኢንተርነት ዘለወን ይብል


ሕ/ሃ ሓደ ሲሶ ካብ ትሑት ኣታዊ ዘለወን ሃገራት ዓለም ጥራሕ`የን ኣገልግሎት ኢንተርነት ዘለወን ይብል
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:01 0:00

ሕ/ሃ ሓደ ሲሶ ካብ ትሑት ኣታዊ ዘለወን ሃገራት ዓለም ጥራሕ`የን ኣገልግሎት ኢንተርነት ዘለወን ይብል

ኤጀንሲ ኢንተርነት ሕቡራት ሃገራት ሓደ ሲሶ ካብ ትሑት ኣታዊ ዘለወን ሃገራት ዓለም ጥራሕ`የን ኣገልግሎት ኢንተርነት ዘለወን ይብል ። እንተኾነ ናብ መሬት ትሕት ኢሎም ዝበሩ ሳታላይታት፡ ንብሚልዮናት ዝቕጸሩ ህዝቢ፡ ብፍላይ ድማ ነቶም ኣብ ብሕቱው ከባብታት ኣፍሪቃ ዝነብሩ ተስፋ ሂቦም ኣለዉ።

ዓበይቲ ትካላት ቴክኖሎጂ- ከም ማይክሮሶፍት ዝበላ፡ ነቶም ዕድል ኢንተርነት ዘይብሎም ፡ መስመር ክህባ ቃል ክኣትዋ ጸኒሐን ኣለዋ። ነዚ ዕድል ንምኽፋት ድማ ምስ ካልኦት ትካላት ዝወዳደራን ትሕት ኢለን ዝበራን ሳታላይታት ምቕማጥ`ዩ።

ኣብዚ እዋን`ዚ ካብ ሞንጎ`ቶም ኣብ 46 ትሑት ኣታዊ ዘለወን ሃገራት ዓለም ዝነብሩ 1.25 ቢልየን ሰባት፡ 36% ጥራይ`ዮም ኣገልግሎት ኢንተርነት ከምዝረኽቡ ሓበሬታ ኢንተናሽናል ተለኮሚኒኬሽን ማሕበር(ኣይ.ቲ.ዩ) ይገልጽ። ንምንጽጻር ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ልዕሊ 90% ኣገልግሎት ኢንተነት ኣለዎም ። ኣይ.ቲ.ዩ፡ ነቲ ንዝሓለፈ 10 ዓመታት እናሰፍሐ ዝኸደ ዝበሎ ክፍተት ኣህጉራዊ ምትእስሳር ይኹንን።

ዝሓለፈ እዋን ኣብ ዶሓ ቐጠር ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ዝደኸያ ሃገራት ፡ እቲ ክፍተት ምጥቃም ኢንተርነት ከም ዓቢይ ጸገም ተራእዩ ኔሩ። ኣብቲ ዋዕላ ዝተዛረበ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንተንዮ ጉተረዝ ነቶም መራሕቲ ክዛረቦም ከሎ፡ ኣብ ምዕባለ ኢንተርነት ንድሕሪት ትተርፉ ኣለኹም ኢልዎም። እቲ ኣብ ዲጂታል መድረኽ ዘሎ ድሕሪት ምትራፍ፡ ብፍላይ ኣብ ኣፍሪቃ ዝኸፍአ`ዩ፡ ንኣብነት ኣስታት 100 ሚልየን ህዝቢ ዘለዋ ደሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎ ርብዒ ዘይከውን ጥራሕ`ዩ ዕድል ኢንተርነት ዝረክብ። ኣብ ኪንሻሳ ብቐሊሉ ክርከብ ዝክኣል`ኳ እንተኾነ፡ ኣብቲ ዝሰፍሐ ገጠራዊን ዕጡቓት ዝዋግኡሉን ከባብታት ግን ንልዕሊ 20 ዓመታት ዲጂታል ኣገልግሎት ከይበጽሐ'ዩ ጸኒሑ።

ኣብ ዋዕላ ዶሓ ዝተረኽቡ ክኢላታት ሕጂ፡ ምውንጫፍ ኣሸሓት ትሕት ኢለን ዝበራ ሳታላይታት ንተስፋታት ኢንተርነት ኣፍሪቃ ኣብ ምሕያል ቅልጡፍ ለውጢ ከምጽኣ ይኽእላ`የን ይብሉ ኣለዉ።

ቅድሚ`ቲ ዋዕላ`ውን ማይክሮሶፍት ብመሰረት ዘውጽኦ መደብ፡ ክሳብ 2025 ዓ.ም፡ 100 ሚልየን ኣፍሪቃውያን ዕድል ኢንተርነት ክህልዎም`ዩ ኢሉ ኔሩ። ኣብ ቀዳማይ ደረጃ፡ ዝሓለፈ ታሕሳስ ብሓሙሽተ ሚልየን ኣፍሪውያን ዝጀመረ ማይክሮሶፍት፡ ዝሓለፈ ሰሙን 20 ሚልየን ምውሳኹ ኣሰሚዑ`ሎ። እቶም ቀዳሞት ሓሙሽተ ሚልየን ብቪያሳት ዝተባህለ ሳታላይት ዝግልገሉ ክኾኑ ኸለዉ፡ ካብ መንጎ ናብ ሳታላይት ዝውንጨፉ ሳታላይታት ሓደ`ዩ።

ናይ ኤላን ማስክ ስፐይስ ኤክስ፡ ከምኡ ድማ `ስታርሊንክ` ዝተባህሉ ፕሮግራማት ድማ፡ ካብ መሬት 400 ኪ.ሜ ክሳብ 700 ኪ.ሜ ጥራሕ ርሕቐት ዘለዎም ኣሸሓት ሳታላይታት የዋፍር ኣሎ።

ፕረዚደንት ማይክሮሶፍት ብራድ ስሚዝ ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ክገልጽ ከሎ፡ መጀመርያ ብጉጅልኡ ዝቐረበ 20 ሚልየን ዝብል ቁጽሪ ምስረኣየ “ብሓቂ ዝክኣል ድዩ “ ኢሉ ከም ዝሓተተ፡ ድሕሪኡ ግን ከም ዝክኣል ከም ዝኣመነ ይገልጽ።

"ክፍሊት ዋጋ ቴክኖሎጂ ብቕጽበት ይወርድ ኣሎ- ምውራዱ ድማ ክቕጽል`ዩ” ዝበለ ብራድ ስሚዝ፡ እዚ ድማ ኣካል ናይቲ ተኽእሎ ከም ዝኾነን፡ ናብቶም ተጸበይቲ ንምብጻሕ ንምንቅስቓስ ከም ዝሕግዝን ገሊጹ።

" ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ተንቀሳቓሲ ተለኮሚንኬሽን ዘሎ ማሕለኻታት ብዝምልከት ዝሓሸ ስጉምትታት ከርእያ ይኽእላ`የን ዝበለ ፕረሲደንት ማይክሮሶፍት ብራድ ስሚዝ፡ ኣብ ዝሓለፈ 10 ወይ 15 ዓመታት ብስሩዕ መስመር ካብ ዝተበጽሐ ህዝቢ ንላዕሊ ዝበዝሐ ህዝቢ ክንበጽሕ ንኽእል ኢና ኢሉ።

ብራድ ስሚዝ ሃብታማት ሃገራት ነቲ ዝጸንሐ ባንድዊዝ ማለት መጠን ቅልጣፈ ኢንተርነት ንቴለኮምን ቴለቪጅን ጥራሕ ሂበንኦ ስለዝጸንሓ፡ እቲ ዕድል ኣብ ኣፍሪቃ ሸፈነ ከምዘይጸንሖን፡ ሕጂ ግን መንግስታት ንተወሰኽቲ ተጠቅምቲ ነቲ ዕድል ንምቕራብ ይንቀሳቐሱ ምህላዎም ጠቒሱ`ሎ።

ማይክሮሶፍት ኣብዚ ካልኣይ እግሩ፡ ምስ ሊኩድ ኢንተሊጀንት ቴክኖሎጅስ ዝተባህለ ኣፍሪቃዊ ትካል ብምትሕብባር፡ ንኣስታት 20 ሚልየን ሰባት ከባጽሕ ይሰርሕ ኣሎ።

ንኣሸሓት ኣፍሪቃውያን ስልጠና ኢንተርነትን ዲጅታልን ብምሃብ ነቲ ዝጸንሐ “ረድኤት ወጻኢ” ምትካእ ይክኣል`ዩ ዝበለ ሚስተር ስሚዝ፡ ዲጂታል ቴክኖሎጂ ኣብ ልምዓት ዝህልዎ ኣበርክቶ ብዝምልከት ብዕቱብ ንጥምቶ ጉዳይ `ዩ ኢሉ። እንተኾነ ናይ ብሕቲ ትካላት ቴክኖሎጂ ኣብ`ቲ ሊኩድ ኢንተሊጀንት ቴክኖሎጅስ ዘለዎም ብዙሓት ከባብታት ኣፍሪቃ እኹላት ኣይኮኑን ይብል።
ምኽትል ሓላፊ ሊኩድ ኢንተሊጀንት ተክኖሎጅስ ኒክ ሩድኒክ ሊኩድ ኢንተሊጀንት ቴክኖሎጅስ ኣብ ኣፍሪቃ 100 ሺሕ ኪ.ሜ ኣብ መሬት ዝተቐብረ ፋይበር ጥራሕ ከምዘለዎን- ሕጂ ግን ዓቢይ መስመር ርክብ ስታላይት ክፈጥር ይጽዕር ከምዘሎን ይገልጽ። ኣብቲ ንክትበጽሖ ከቢድ ዝኾነ ከባብታት ብሳታላይት ዝግበር ርክባት ኢንተርነት ዝሓሸ ጥራይ ዘይኮነስ እንኮ ኣማራጺ`ውን እዩ ኢሉ።

XS
SM
MD
LG